ኣብ ሞንጎ ኬንያን ሶማልን ዘሎ ምስሕሓብ ንዕዳጋ ጫት ይሃስዮ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ሞንጎ ኬንያን ሶማልን ተኸሲቱ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ጫት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል፡ እቲ ኣብ ኬንያ ፈርዩ ናብ ሶማል ዝኣቱ ዝነበረ ጫት ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ድሕሪ ምክልኻሉ ጫት ዘፍርዩ ሓረስቶትን ነጋዶ ጫትን ንክሳራ ከምዝተቃልዑ ገሊጾም።

ሶማል ቅድሚ ኣዋርሕ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት ካብ ኬንያ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ጫት ምኽልኻላ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ኬንያ ዝፈረየ ጫት፡ ናብ ሶማል ክኣቱ እንተኾይኑ ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጣ ኣላ።

ሶማል፡ ኣብ ኬንያ ዝፈረየ ጫት ናብ ሃገረይ ክኣቱ እንተኾኑ፡ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኢዳ ከተእቱ የብላን እያ ትብል።

ካብዚ ብተሳኺ፡ ኬንያ ክሊ ኣየር ሶማልያ ከተኽብር፡ ከምኡ’ውን ፍርያት ሶማል ዝኾነ ሽኮር፡ ጸባን መዓርን ክትቕብል ሶማል ከም ቅድመ ኩነታ ኣቐሚጣቶ ዘላ ነጥብታት’ዩ።

ኬንያ ብወገና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኢዳ ከምዘየእተወት ብምሕባር ፍትሓዊ ዝኾነ ንግዳዊ ምልውዋጥ ንኽግበር ኣብ ስምምዕ ንኽትበጽሕ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሶማል ካብ ኢትዮጵያ ምህርቲ ጫት ኣብ ምእታው ትርከብ።

ሶማል፡ እቲ ዝበዝሐ እተህልኾ ጫት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን'ያ ተእትዎ።

ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ዝለኣኽ ዝነበረ ጫት ብሰንኪ ፖሎቲካዎ ምስሕሓብን ኮሮናቫይረስን ደው ብምባሉ ጫት ዘፍርዩ ሓረስቶት ኬንያ ኣብ ጸገም ከምዝወደቁ'ዮም ዝሕብሩ።

ኣደ ትሽዓት ቆልዑ ዝኾነት ሜሪ ናቶንጃ ፡ ናብርኣ ካብ ነዊሕ ዓመታይ ኣትሒዙ ኣብቲ 'ቀጠለያ ወርቂ' ኢላ ትጽውዕ ጫት ዝተሞርኮሰ'ዩ።

ጫት ናብ ሶማልን ናብ ዓባይ ብርጣንያን ኣብ ዝስደደሉ ዝነበረ እዋን ጽቡቕ እቶት ትረክብ ምንባራ ኸኣ ትገለጽ።

ዓባይ ብርጣንያ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ፍርያት ጫት ናብ ዓዳ ከይኣቱ ብወግዒ ከልኪላ።

ሃገረ ሶማል'ውን ካብ ወርሒ ግንቦት ካብ ኬንያ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ዝነበረ ጫት ደው ኣቢላቶ።

ሜሪ፡ ብሰንኪ እዚ ንሳን ካምኣ ጫት ዘፍርዩ ሓረስቶትን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ'ያ ትገልጽ።

“ህይወት ኣዝያ ፈተና ኮይናትና ኣላ፡ ኣብ ኢድና ገንዘብ የብልናን፡ ነዛ ንኽደኖን ንበልዖን ክንረክብ ተጸጊምና ኣላና፡ ደቅና ጸሞም እዮም ዝሓድሩ ዘለዉ፡ ቅድም ኣብ ነፍሲ ወከለፍ ሰለስተ ወርሒ ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ንረክብ ነይርና፡ ሕጂ ግን ሓንቲ ዶላር ምርካብ’ውን ተጸጊምና ኣለና” ትብል ሜሪ።

ማሕበር ነጋዶ ጫት ኬንያ ከምዝሕብሮ፡ ጫት ዘፍርዩ ኬንያውያን ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 50 ቶን ጫት ናብ ሶማል ብምልኣኽ ክሳብ 140 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ይሕብር።

ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን እቶም ሓረስቶት ውሑድ ኣብ ውሽጡ ኬንያ ብምሻጥ እቲ ዝተረፈ ጠለብ ስለዘይረክብ ይድርበ ምህላዉ ማሕበር ነጋዲ ጫት ኬንያ ይሕበር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞንጎ ኬንያን ሶማልን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ በሪኹ፡ ሶማል ኣብ ሃገራ ዝነበረ ኤምባሲ ኬንያ ብምስጓግ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ከምዝሰሓበቶ ይዝከር።