ሽረ እንዳስላሰ ድሕሪ'ቲ ኲናት እንታይ ትመስል- ካብ መሰኻኽር ዓይኒ

ሽረ እንዳስላሰ ካብተን ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከቢድ ውግእ ዘተኣናገዳ ከተማታት ሓንቲ እያ።
ቢቢሲ ንገለ ነበርቲ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ከዘራርብ ኪኢሉ ኣሎ።
እቲ ውግእ ናብ ሕዳር 17 ሰሉስ ዘውግሕ ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ምንጪ ቢቢሲ፡ ነባራይ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ እቲ ውግእ ብኸበድቲ ብረት ዝተሰነየ ስለዝነበረ ብዙሕ ነባሪ እታ ከተማ ካብ ገዛውቶም ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።
"መብዛሕትኦም ተተኮስቲ ከበድቲ ብረት ፍሉይ ሽሙ ኣጓዱ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፋል እታ ከተማ'ዮም ዝዓልቡ ነይሮም። ሰባት ከኣ ናብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ይሃድሙ ነይሮም" ክብል ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ምንጪ ቢቢሲ ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ውግእ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም።
"በውሑዱ'ኳ ኣነ ዝፈልጦም 10 ሰባት መጉዳእቲ በጺሕዎም'ዩ" ዝበለ ምንጪ ቢቢሲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ካብኣቶም ኣብ ሽዱሽተ ንሱ ዝፈልጦም ስድራ እንዳ ሓዘን ከምዝበጽሐን ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ 6 ሰዓታት ዝወድአ ኵናት ምስተዛዘመ ታንክታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣትየን።
በዓል ሰለስተ ኮኸብ ሆቴል ደጀና ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት እታ ከተማ ድማ ብታንክን ነተጉትን ብኽፋል ዕንወት በጺሕዎም እዩ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ስእሊ ሆቴል ደጀና ከምዘርእዮ ክፋል እቲ ሆቴል ዓንዩ እዩ። ወናኒ ሆቴል ደጀና ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ኮሎኔል ተወልደ ገብረተንሳይ'ዩ።
ንሱ ኣብ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ኣድሂቡ ናይ ዝተጽሓፈ 'ባድመ እንደ ምክንያት' እውን ጸሓፊ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, GH
ኣብዚ እዋን፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እትርከብ ኮይና ብኣሽሓት ዝቑጸር ነባሪኣ ግን ፈለማ ሃዲሙ ምስከደ ፎቖዶ ሽንጥሮን በረኻታት ይነብር ከምዘሎ ይዝረብ።
ኣብ ቀንዲ ጎደና ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ናይ ዘለዉ ህንጻታት መስትያቶም ፍርስርስ ኢሉ ከምዝተዓዘበ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ ሰባት ናብ ስሩዕ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ክምለሱ ጻዊዒት ከምዝተገበረ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ ሰባት ካብ ዝሃደምዎ ገጠራት ከምዘይተመልሱን ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ሽረ እንዳስለሰ ገሊጾም።
ኣገልግሎታት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኢንተርኔትን ኤሌክትሪክን'ውን ተዓጽዮም ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
መጠናዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ ነበርቲ ከምዝተጀመረን ወተሃደራት ኣብ ማእኸል ጽርግያ እታ ከተማ ከምዝረኣዩን መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኮይኑ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተመዘዘ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘተ ከምዘካየደን ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዘቖመን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ፌደራል ኣቃሊሐን ነይረን።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሞት ስርቅን ምምዝባልን ከምዘሎ ብምጥቃስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማይ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኤሌክትሪክን መጓዓዝያን ብቕልጡፍ ክኽፈት ሓቲቶም።
ህዝቢ ዝግልገለሎም ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ክዓንዉን ክስረቑን ዝተገበረሉ መገዲ ከምዘሕዘኖም ዝሓበሩ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገለገሊኡ ቂምታ መሰረት ዝገበረ ድርጊት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ውግእ ብኣማኢት ዝቕጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኣዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ግን እቲ ውግእ ከምዝተዛዘመን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዋላ ሓደ ሲቪል ሰብ ከምዘይተጎድአን ይገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ ግን፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ ይካየድ እዮም ዝገልጹ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት ናይ ሰብኣዊ ቀረባት ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብር ይግመት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







