ቀብሪ ስሙይ ዓብዪ ዓዲ ግራዝማች ሓድሽ ኑሩሑሴን ብወተሃደራዊ ዓጀባ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Yirga Gebremedhin
ቀብሪ ናይቶም ኣብ ትግራይ ስሙይ ዝኾኑ ዓብዪ ዓዲ ግራዝማች ሓድሽ ኑሩሑሴን፡ ሎሚ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብወተሃደራዊ ዓጀባ ተሰንዩ ተፈጺሙ።
ግራዝማች ሓድሽ ኑሩሑሴን፡ ኣብ ፖለቲካን ማሕበራውን ጉዳያት ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባር እዮም ዝፍለጡ።
ኣብ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ፍሉጥ ናይ መጓዓዝያ ትካል ናይ ዝነበረ "ሓጂ ዓብዱ" ኣካያዲ ስራሕ ኮይኖም ዘገልገሉ'ዮም።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕቡኣት ፖለቲካዊ ውድባት ይሳተፉ ከምዝነበሩ ዝዝረበሎም ግራዝማች ሓድሽ ንሩሑሴን፡ ቀንዲ መሓዛን መቓልስትን ኣቦ ቃልሲ ህወሓት ተገይሩ ናይ ዝውሰድ ስውእ ተጋዳላይ ስሑል [ገሰሰው ኣየለ] ምንባሮም ይፍለጥ።
ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝበጽሕዎ ዝነበሩ ጭቖናታት መፍትሒ ንምንዳይ ክሳብ ናብ ኤርትራ ከይዶም ምስ መራሒ ጀብሃ ነበር እድሪስ ዓዋተ ዘትዮም ምንባሮም ናይ ታሪኽ ዛንትኦም የረድእ።

ግራዝማች ሓድሽ፡ ድሕሪ ውድቀት ደርግ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ምጥያሽ ትካላት ትእምት፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ማሕበር ባህሊ ትግራይን ናይ ባዕሎም እጃም ዘበርከቱ ምንባሮም መቕርባቶም ይገልጹ።
ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ዝነበረ ማዕርፎ ነፈርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዳግማይ ተኸፊቱ ኣገልግሎት ንኽህብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ዝገበሩ እቶም ዓብዪ ዓዲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሎም ናብርኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትውልዲ ዓዶም ሽረ እንዳስላሰ ቀይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Abdulfetah Habeshawi
ኣብ 1926፡ ጥቓ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ እትርከብ ጣብያ ዓዲ ሓኖ ዝተወልዱ ግራዝማች ሓድሽ ኑሩሑሴን፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መበል 86 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ስነ ስርዓት ቀብሮም ብናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣባላትን ዓበይቲ ዓዲ ሽረ እንዳስላሰን ተሰንዩ ሎሚ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ሽረ እንዳስላሰ ተፈጺሙ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







