ኣብ ሽረ እንዳስላሰ 'ተርሚናል' ንምህናጽ ዝነበረ ውጥን ናበይ ኣተወ?

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ 'ተርሚናል' ንምህናጽ ዝነበረ ውጥን ናበይ ኣተወ?

ምንጪ ስእሊ, Abdu

ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳስለሰ ተወሊዶም ዝዓበዩ ግራዝማች ሓዱሽ ንሩሑሴን፡ ሎሚ ወዲ 85 ዓመት ሽማግለ እዮም።

ዝዓበዩላ ከተማ ኣብ ዘበነ ስርዓት ደርጊ ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ዘይሰኣነት፡ ሎሚ ብናቶም ኣገላልጻ "ስርዓት ኢህወዴግ ንክህነጽ ባይታ ዘንጸፈት ሽረ እንዳስላሴ" ኣብ ዘበነ ህወሓት/ኢህወዴግ ከመይ ኣገልግሎት ትስእን ኢሎም ምስ መራሕቲ ህወሓት ከምዝተማጎቱ ይዝክሩ።

ዋላ'ኳ ህዝቢ እንዳስላሰ ኣገልግሎት ምዕራፍ ኣየር ይግበኣና እዩ እንተበለ፡ መንግስቲ ግን "ሽረ እንዳስላሰ ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዘለዋ ከተማ ኣኽሱም 60 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ስለዝኾነት ኣይንኽፈትን" ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ነይርዎ።

"ደርጊ ዘይከልኣና ኣገልግሎት፡ ደቅና ከመይ ትኸልኡና?" ዝብል ሓሳብ ሒዞም፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣካቢ ቦርድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዝነበረ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ምስ ካልኦት ተወለድቲ ኮይኖም ከምዝኸዱ ዝገልጹ ግራዝማች ሓድሽ ኑርሑሴን፡ "ክንከስር ስለዘይንደሊ ፈለማ ዕዳጋ ከምዘለዎ ክነጽንዖ ንደሊ ኢና" ዝብል ኣወንታዊ ምላሽ ተዋሂብዎም ከምዝተመልሱ ሓቢሮም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ናይ ዕዳጋ መጽናዕቲ መሰረት ድማ ሰሙናዊ ክልተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ክጅመር ተወሲኑ ነፈርቲ ስራሕ ጀሚረን።

እቲ ዕዳጋ ተራእዩ ድማ፡ ሓመድ ዝነበረ ናይ ነፈርቲ መጉየይ ጽርግያ ናብ ኣስፋልት ተቐይሩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ጥራይ ዝነበረ በረራ ናብ መዓልታዊ ተቐይሩ። እንተኾነ ግን ተገልገልቲ ናይቲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ በቲ ዛጊድ ዘሎ ኣገልግሎት ሕጉሳት ኣይኮኑን።

ነባሪት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝኾነት መኣዛ ብንግዲ እትመሓደር ስለዝኾነት፡ ካብ ከተምኣ ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ዱባይን ቻይናን እትንቀሳቐስ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢላ እያ። መኣዛ ናይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መዕርፎ ነፈርቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ተርሚናል ስለዘይብሉ ካብ ወጻኢ ዘእተወቶም ሳናጡ ክሳብ ምቕዳድ ከምዘጋጥማን በቲ ኣገልግሎት ዕግበት ከምዘይብላን እያ ትገልጽ።

መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ናይ ድሕነት ዓንድታት ኮነ መብራህቲ ስለዘይብሉ፡ ነፈርቲ ምሸት ምሸት ኣገልግሎት ክህባ ከምዘይኽእላን ብፍላይ ካብ ነፈርቲ ወሪድካ ናብ መኪና ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን እቲ መንገዲ ኮሮኮንች ስለዝኾነ ኣቑሑት ዝሓዙ ሰናጡኣ እናተቐደዱ ንኽሳራ ከምዝዳርጉዋ ትዛረብ።

ነፈርቲ ክሳብ ዝመጽኣ እትዘናግዐሉ እንዳሻሂ ኮነ መዕረፊ ኣጋይሽ ስለዘይብሉ ይጨንቀካ እትብል መኣዛ፡ ይትረፍ ምስ ናይ ወጻኢ ዓድታት ክተነጻጽሮስ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዋ ማዕርፎ ነፈርቲ እንትነጻጸር እኳስ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ሓቢራ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ብዙሕ ዓሚል ከምዘለዎን ንዕኡ ዝምጥን መቐበሊ ኣጋይሽ [ተርሚናል] ክህነጽ እዩ ተባሂሉ ዲዛይን ቀሪቡ ኳ እንተነበረ "ሕልሚ ኮይኑ ምትራፉ" ከምዘጉሃያ ድሕሪ ምግላጽ፡ በቲ ዘሎ ትሑት ኣገልግሎት ምኽንያት "ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዘለኹ ትዝ ዝብለኒ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ምስኣተኹ'ዩ" ብምባል ዕግበት ከምዘይብላ ገሊጻ።

ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ እንዳስለሰ፡ ቅድሚ 4 ዓመት ተጀሚሩ ኣብ ዓመቱ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር እዩ ተባሂሉ መግለጺ ተዋሂብሉ ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ግን ዋላ ሓንቲ ጅማሮ የለን።

ብመንግስቲ ፌደራል እትውነን ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፡ ኣብ መፈለምታ ኣዋርሕ 2012፡ ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ምስ ካልኦት 3 መዕርፎ ነፈርቲ ንኽጅመር ናይ ጨረታ መስርሕ ይሰላሰል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ምስኣቃልሐት፡ ተገልገልቲ ተስፋ ኣሕዲሮም።

እንተኾነ፡ ዛጊድ ዝርአ ህንጸት ብዘይምህላዉ፡ ቅርትኦም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን።

ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነት ወ/ሮ ጽወሃብ ታደሰ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ "ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናትካ ናይ መሪሕነት ዘበን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ በደል ይበጽሖ ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ ከም መርኣያ ካብ ዘቕረበቶም መርትዖታት እቲ ሓደ፡ ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ኣይተሰርሐን ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ 'ተርሚናል' ንምህናጽ ዝነበረ ውጥን ናበይ ኣተወ?

ምንጪ ስእሊ, EAE

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናቱ ናይ መሪሕነት ዘበን፡ ብፍሉይ ተበዲሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ልክዕ ከምዘይኮነ እኳ እንተገለጸ፡ ንህንጸት እቲ ተርሚናል ብዝምከልት ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን ኣየብረሆን።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ንተገልገልቲ ዘማረረ ምጉታት ህንጸት መቐበሊ ኣጋይሽ [ተርሚናል] ኣብ ኢትዮጵያ ንመዕርፎ ነፈርቲ ክሃንጽን ከመሓድርን ስልጣን ንዘለዎ ኢንተርፕራይዝ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪብሉ፡ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ።

"ህንጸት እቲ ተርሚናል: ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ትካል መዕፈፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ንክሃንጾም ወጢንዎም ካብ ዘሎ ሸውዓተ ናይ ውሽጢ ዓዲ መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ እዩ"

እንተኾነ፡ ሕዚ እውን 'ክስራሕ እዩ' ካብ ዝብል ወጻኢ፡ መዓዝ ተጀሚሩ መዓዝ ከምዝውዳእ ዝሃቦ ምላሽ የለን።