ኣብ መጥቃዕቲ 'ቦንባ' ውዲት ነይሩዎ ዝተባህለ ኢራናዊ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ፡ መጥቃዕቲ ቦንባ ክበጽሕ ውዲት ፈጺሙ ዝተባህለ ኢራናዊ ዲፕሎማትን በልጁማውያን መጻምድን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤልጅም አብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም።

እዞም ትውልዲ ኢራናውያንን ዜጋታት ቤልጅምን ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብ2 ሰነ 2018 ካብታ ዝነብሩላ ከተማ ኣንትዌራፕ ንምዝናይ ናብ ላክሰምበርግ ከም ዝመጽኡ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣሚር ኤስ ናስሙህ ኤንን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ መጻምዲ፡ ኣብ ከተማ ብላክስምበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ብልዒ ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድመ ምስ ዝርከብ ሓደ ወልቀሰብ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ።

እዞም መጻምዲ ካብቲ ውልቀሰብ ሓደ ዝተጠቕለለ ነገር ምስ ተቐበሉ ናብ ቤልጅም ከም ዝተመለሱ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሙሉእ ምንቅስቓስ እዞም መጻምዲ ኣብ ትሕቲ ሰብ ሞያ ድሕነት ኤውሮጳ ከም ዝነበረ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ረኺቦምዎ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኦስትሪያ ዝሰርሕ ኢራናዊ ዲፕሎማት ኣሳዶላህ ኣሳዲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ዲፕሎማት ነቶም መጻምዲ ዝሃቦም ዝተጠቕለለ ነገር፡ ሓደ ኪሎ ግራም ዝምዘን ቲኤቲፒ ዝተባህለ ዝባራዕ ነገርን ብርሕቐት ንምፍንጃር ዝሕግዝ ጥረ ነገር ሒዙ ከምዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዲፕሎማት፡ እቶም መጻምዲ ብ30 ሰነ 2018 ኣብ ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ መንግስቲ ኢራን ነቲ ቦንባ ከፈንጅሩ ትእዛዝ ከም ዝሃቦም ፖሊስ ይገልጽ።

እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዘዳለወ ሰልፊ፡ እስላማዊ መንግስቲ ሪፐብሊክ ኢራን ካብ ስልጣን ንክወርድ ዝንቀሳቐስ ሰልፊ እዩ።

እዚ ኤንሲኣርኣይ ዝተባህለ ሰልፊ፡ መንግስቲ ኢራን "ጉጅለ ግብረ ራዕዲ" ኢሉ ዝኸሰሶ እዩ።

ሰለስቲኦም ጥርጡራት ውልቀሰባት ኣብ ቤት ብልዒ በላክሰመበርግ ምስ ተራኸቡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ክትትል ብሰራሕተኛታት ድሕነት ኤውሮጳ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ተሓቢሩ።

እቶም ጥርጡራት መጥቃዕቲ ግበረ ራዕዲ ብምእላምን ምድላውን ብምግባርን ብዝብል ገበን ራዕዲ ከም ዝሕተቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ፈረንሳ ብወገና እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሚኒስትር ድሕነት ኢራን ምስቶም ውልቀሰባት ተሓባቢሩ እዩ ክትብል ትኸስስ።

ቤልጅም ድማ፡ ኣሚር ኤስ ዝተባህለ ዜጋኣ፡ ብ2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብሰራሕተኛታት ድሕነት ኢራን ተመልሚሉ እዩ ትብል።

ብተወሳኺ ኣሚር ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ምስ ዲፕሎማት ኣሳዲ ንብርክት ዝበለ ግዜ ተራኺቡ እዩ።