ቅልውላው ዒራቕ፡ ተቓወምቲ ንቤት-ጽሕፈት ቆንስል ኢራን ኣቃፂሎም

ዒራቓውያን ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ናጃፍ ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ቆንስል ኢራን ኣቃፂሎም።

እቶም ተቓወምቲ ነቲ ቤት-ፅሕፈት ቆንስል እንከቃፅሉ፡ "ኢራን ካብ ዒራቕ ትውፃእ" ዝብል ድምፂ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስል፡ ተቓወምቲ ነቲ ቆንስል ሰይሮም ቅድሚ ምእታዎም ከምዘምለጡ፡ ፀብፃባት ሓቢሮም።

ኣብ ዒራቕ ይካየድ ዘሎ ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር፡ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ።

ኣብዚ ተቓውሞ፡ ኣስታት344 ሰባት ከይተቐተሉ ከምዘይተርፉ ይንገር።

ዒራቓውያን ተቓወምቲ፡ ብልሽውና ደው ክብል፣ ዝሐሹ ዕድላት ስራሕ ንክፍጠሩን ኣብያተ-ፅሕፈት መንግስቲ ግቡእ ኣገልግሎት ንክህቡን ይጠልቡ።

ኢራን፡ ኣብ ጉዳይ ዒራቕ ኢዳ ብምእታው ንመንግስቲ ዒራቕ ትድግፍን እያ ብምባል ድማ፡ እቶም ተቓወምቲ ይኸስሱ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ስልጣን ዝመፅኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣደል ዓብዱል ማሃዲ፡ ብዙሓት ለውጥታት ከምዘምፅኡ ዋላ እኳ እንተተመፃብዑ፡ ፡ ኣብ ባይታ ግና ንዝኣተውዎ ቃል ከግህዱ ኣይከኣሉን ክብሉ ተቓወምቲ ይኸስዎም።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጀመረ እዚ ናዕቢ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋንኣብ መላእ እታ ሃገር ተላቢዑ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ዒራቕ፡ ከቢድ ስጉምቲ ይወስዱ ኣለዉ።

ኣብቶም ናይ መፈለምታ ሽድሽተ ሰልፍታት ተቓውሞ ጥራሕ፡ 149 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብደል ማሃዲ፡ ካቢኔአም ብምብዋዝ፡ መሃያ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ነክዮም፣ ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦ መንእሰይ እታ ሃገር ንምንካይ ድማ ዝተፈላለዩ መደባት ኣተኣታትዮም።

ይኹን'ምበር፡ እዞም ስጉምትታት፡ ንሕቶታትና ዝምልሱ ኣይኮኑን ዝብሉ ዒራቓውያን ተቓወምቲ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ናብ ጎደናታት ካብ ምውፃእ ኣይተቖጠቡን።