ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዒራቕ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ደው ክብል ጸዊዑ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዒራቕ ክካየድ ብዝቐነየ ዓመጽ፡ ኣስታት ሓደ ምኢቲ ከም ዝሞቱን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከም ዝቖሰሉን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ዓመጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ ዓመጽ 'ህይወት ንጹሃት ሰባት ዝምንዝዕ ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ዓመጽ' ክብል ድማ ገሊጽዎ። እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ተቓወምቲ መንግስቲ ከም ዝኾኑ ድማ ተሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ምኽንያት ዘካይዱዎ ዘለው ዓመጽ፡ ኣብታ ሃገር ኣሎ ብዛዕባ ዝበልዎ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድኹም ኣገልግሎት ጥዕናን ብልሽውናን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝዝለቐ ሞትን መቑሰልትን ደው ክብል ከም ዘለዎ ዝገለጸት ሓላፊት ሓገዝ ዒራቕ ሕቡራት ሃገራት ጂኔ ሄንስ፡ ምኽንያት ሞት ንጹሃት ዜጋታት ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዓ።

ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ትማሊ ቀዳም ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ባግዳድ ንዝኣደሙ ሰልፈኛታት መንብዒ ጋዝ ተጠቒሞም በቲኖምዎም።

በቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባግዳድ ዘጋጠመ ጎንጺ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ዒራቕ፡ ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዘጋጠመ ዓመጽ 99 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 4 ሽህ ድማ መጉዳእቲ በጺሒዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ ዓመጽ ናብ ደቡባዊ ዒራቕ ተዛሚቱ ይርከብ።

እዚ ተርእዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ንዝደየበ 'ድኹም' መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓደል ዓብደል መሃዲ እቲ ዝሓየለ ተቓውሞ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ነቲ ተቓውሞ ኣዋጅ እቶ እቶ ብምእዋጅን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምዕጻውን ከህድዎ ፈቲኖም ነይሮም።

ኣብ ባግዳድ ክትግበር ዝጸንሐ ኣብ ገዛኻ ናይ ምጽናሕ ግዝያዊ መምርሒ ትማሊ ቀዳም ስለ ዝተሳዕረ እቲ ተቓውሞ ዳግማይ ክለዓል ገይርዎ እዩ።

መተኣኻኸቢ ተቓወምቲ ኮይኑ የገልግል ዝነበረ ኣደባባይ ታህሪር፡ ትማሊ ቀዳም ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጺዩ ከም ዝወዓለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር እውን ኣይተኻየደን።

ገለ መደበር ቴሌቭዥናት መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ክኸውን እንከሎ ተቓወምቲ ኣብ ሽዱሽተ ኣብያተ ጽሕፈት ውዱባት ፖለቲካ ሓዊ ከም ዘባርዑ ተገሊጹ።