እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ንትካል ስለያ ኣመሪካ ክሰርሕ ተረኺቡ ንዝበለቶ ውልቀሰብ ንሞት ፈሪዳ
ቤት ፍርዲ ኢራን፡ ንሓደ ንትካል ስለያ ኣመሪካ ይሰርሕ ነይሩ ተባሂሉ ዝተኸሰ ውልቀሰብ ንሞት ፈሪዱ።
ኣሚር ራሂምፖር፡ ንኑክሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ሓበሬታ ንሲ-ኣይ-ኤ የማሓላልፍ ነይሩ ክብል፡ ኣፈኛ ፈራዲ ኣካል ተዛሪቡ።
ብተመሳሰሊ ናይ ስለያ ገበን ዝተኸሰሱ ካልኦት ክልተ ኣመሪካውያን ድማ፡ ክሳብ 15 ዓመት ተፈሪድዎም።
ነዚ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ፍርዲ ግን፡ ኣስማቶም ኣይጸርሐን።
ብወገን መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን፡ ሲ-ኣይ-ኤ፡ ዛጊድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃብዎ ዝኾነ ርእይቶ የለን።
ኑክሌርን ስለያ ኣመሪካን
ቅድም ክብል፡ ኢራን ንሲ-ኣይ-ኤ ክስልዩ ረኺበዮም ዝበለቶም 17 ኣመሪካውያን ኣብ ቀይዲ ኣብ ዘውዓለትሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ቁጥዐኡ ገሊጹ ነይሩ። ገሊኦም ብሞት ከምዝተቐጽዑ'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ማይክ ፖምፔዮ "ንህዝቢ ዓለም ምሕሳው ናይ ኣያቶላህ ኣመል እዩ" ክብል ነቲ ገበን ነጺግዎ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኮንትራክተር ምክልኸል ሃገር ኢራን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጀላል ሃጂዛቫር ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ባዕሉ'ውን ከምዝኣመኖ፡ ንሲ-ኣይ-ኤ ክስሊ ምስተረኸበ ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ እዩ።
ኣብ 2016 ድማ ኢራን ሓደ ሊቅ ኣጽዋር ንኩሌር፡ ብተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ረኺበዮ ብዝብል ብሞት ቀጺዓ።
እዚ ናይ ሕዚ ናይ ኣሚር ራሂምፑር ናይ ሞት ፍርዲ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ብምዃኑ እንታይ ከስዕብ ይኽእል ዝብል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ናይቲ ስርዓት የማናይ ኢድ ዝኾነ ጀነራል ቃሲም ሱሌማን ብኣመሪካ ኣብ ኢራቅ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።
ከም ግብረ መልሲ ድማ፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ ነቑጣታት ምዕናዋ ይፍለጥ።