እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውሩይ ኣርጀንቲናዊ ድያጎ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ ሎሚ ሞይቱ
ኣርጀንቲናዊ ውሩይ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግርን ኣሰልጣንን ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ ሎሚ ሞይቱ።
ማራዶና ኣብ ማእከል ምጥቃዕ ዝጻወት ኮይኑ ኣብ 1986 ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዘኽኣለ እዩ።
ድሕሪ ዕዉት መጥባሕቲ ምክያዱ ኣቐድም ኣቢሉ ውሉፍ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኮይኑ ስለዝነበረ ካብቲ ወልፊ ንኽገላገል ሕክምናዊ ሓገዛት ከምዝግበረሉ እዩ ተሓቢሩ ነይሩ።
ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓደ ኮይኑ፡ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም 1986 ኣብ ዝዓተረትሉ ሓለቃ ጋንታ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምኳን ውልቓዊ ብቕዓቱ ከንጸባርቕ ክኢሉ እዩ።
ኣርጀንቲናዊ ድያጎ ማራዶና፡ ኣብ ክለባት ባርሲሎናን ናፖሊን ብምጽዋት ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ናፖሊ ብምዃን ክልተ ግዜ ዋንጫ ሰሪ ኣ ክዕወት ክኢሉ እዩ።
ማራዶና ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ 91 ጸወታታት 34 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ካብዚ እቲ ኣርባዕተ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገቦ እዩ።
ማራዶና ኣብ ዋንጫ ዓለም 1990'ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መሪሑ ኣብ ግጥም ፍጻመ ብምብጻሕ ብምዕራብ ጀርመን ተሳዒሩ ካልአይቲኡ ዋንጫ ካብ ምዕታር ዝኸሰረሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።