እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማራዶና ዕዉት ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ከምዝተገበረሉ ሓኪሙ ገሊጹ
ፍሉጥ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ዝነበረ ኣርጀንቲናዊ ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ዕዉት ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ከም ዝተገበረሉ ዶክተሩ ሓቢሩ።
ኣብ 1986 ንኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ዘዕተራ ወዲ 60 ዓመት ማራዶና፡ ዋሕዲ ደምን ጉድለት ኣካላዊ ጠልን ምስ ኣጋጠሞ ብሰኑይ እዩ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ኢፐንሳ ኣብ ዝብሃል ሆስፒታል ኣትዩ።
ድሕሪ ዝተገበረሉ መርመራ ግን ኣብ ሓንጎሉ ናይ ደም መርጋእቲ ከም ዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ውልቃዊ ሓኪም ናይ ማራዶና ዝኾነ ዶክተር ሊዮ ፖልዶ ሊኵኦ፡ ማራዶና ድሕሪ እቲ ዝተገበረሉ ዕዉት ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ ገሊጹ።
ዶክተር ሊዮፖልዶ ሊኵኦ ማራዶና ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሕክምና ከም ዝጸንሕ ብምሕባር “ኩሉ ነገሩ ኣብ ጽቡቕ እዩ ዘሎ” ኢሉ።
ማራዶና ካብቲ ብሰኑይ ዝኣተወሉ ሆስፒታል ናብ ኣብ ላፕላታ ዝርከብ ኦሊቮስ ዝብሃል ሕክምና ተወሲዱ መጥባሕቲ ከም ዝተገበረሉ ዝገለጸ ዶክተር ሊዮፖልዶ ሊኵኦ እቲ መጥባሕቲ ኣስታት 80 ደቓይቕ ከም ዝወሰደ ገሊጹ።
ማራዶና ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍሉጥ መንገዲ ኣየር ኣርጀንቲና እትውነን ጋሚናስያ ኢስጊርማ ንእትብሃል ጋንታ’ዩ ዘሰልጥን ዘሎ።
ማራዶና ብዓርቢ መበል 60 ዓመት ልደቱ እዩ ነይሩ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ጋንትኡ ኣንጻር ጋንታ ፓትራንቶ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ’ውን ኣብ ስታድዮም ተራእዩ ነይሩ።
ደገፍቲ እታ ዘሰልጥና ጋንታ ጋሚናስያ ኢስጊርማ፡ ኣብ ልዕሊ ማራዶና ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ኣብቲ መጥባሕቲ ዝተኻየደሉ ሆስፒታል ብምምጻእ ኣብ ኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ሑቃፍ ዕንባባ ኣንቢሮም።
ማራዶና ዝጻወተላ ዝነበረን ክልተ ግዜ ዋንጫ ስዒራ ዘዕተራ ኢጣልያዊት ጋንታ ናፖሊ’ውን ማራዶና ብቅልጡፍ ናብ ንቡር ጥዕንኡ ክምለስ ዘለዋ ትምኒት ገሊጻትሉ ኣላ።