ኣብ ሊባኖስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብመኪና ካብ ዝሃደሙ እሱራት ምስ ገረብ ተጋጭዮም ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሊባኖስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝሃደሙ ብዙሓት እሱራት፡ ሽዱሽተ እሱራት ንመህደሚ ዝተጠቀሙላ መኪና ምስ ገረብ ብምግጫዋ እቶም ሓሙሽተ ሞይቶም።
እቶም ካብ ጥቓ ከተማ በይሩት ዝርከብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ መዓጹ ሸላ ሰይሮም ዝሃደሙ እሱራት ብዝሖም 69 እዩ።
ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ 69 እሱራት እቶም 15 ከምዝተተሓዙ እቲ ሓደ ኣዲኡ ባዕላ ናብ ፖሊስ ዘረከበቶ ከምዝኾነ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኤንኤንኤ ኣቃሊሓ።
ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ብዙሕ ዝተጠርጠረ ከባቢታት ጽዑቕ ተፍተሽ የካይዱ ከምዘለዉን ንኹሎም ነበርቲ እቲ ዝተጠርጠረ ቦታታት ከባቢኦም ብንቕሓት ክከታተሉ ከምዝተነገሮም እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
እቲ ሓደጋ፡ ካብቶም 69 ዝሃደሙ እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ እሱራት ንሓንቲ ማኪና ካብ ዋንኣ ብሓይሊ ኣሕዲጎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ባብዳ ዝብሃል ክፋል ከተማ በይሩት ምስ በጽሑ ብሓያል ናህሪ ምስ ገረብ ብምግጫዎም’ዮም እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም።
መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኤንኤንኤ “ዳሽያ ዝዓይነታ ጻዕዳ መኪና ምስ ዓቢ ገረብ ተጋጭያ ዓቢ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ፡ እቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙን ምኳኖምን እታ መኪና ካብ ዋንኣ ብሓይሊ ከምዝወሰዱዋን ክፍለጥ ተኻኢሉ” ኢላ።
ካብቶም ኣብታ መኪና ተሳፊሮም ዝነበሩ እቶም ሓሙሽተ ክመቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ካብ ሞት ክድሕን ከምዝኸኣለ እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ገሊጻ።
ሰብ መዚ ሊባኖም እቲ ህድማ ብኸመይ ከጋጥም ከምዝኸኣለ ንኽጻረ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሓንቲ ዓቓቢት ሕጊ፡ ኣብ መንጎ እቶም እሱራትን ሓለውቶምን ዝኾነ ጎንጺ ከምዘይነበረ ከተረጋግጽ ከምዘይከኣለት ተዛሪባ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







