ሊባኖስ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒሰትር ክትመዝዝ’ያ

ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣምባሳደር ሌባኖስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ሙስታፋ ኣዲብ ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ንምዃን ዝሓሸ ተቀባልነት ዘለዎ ሰብ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ብሓሳን ድያብ ዝምራሕ መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ምፍንጃር ናይ ከሚካል ብርቱዕ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ነሓሰ ስልጣኑ ከምዝገደፈ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ኣብ ወደብ በይሩት ኣብ ዘይውሑስ ቦታ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ 2700 ቶን ኣሞንዮም ንትረይት ምስ ተፈንጀረ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

እታ ሃገር ኣቀዲማ’ውን ብቁጣባዊ ቅልውላው ክትሕመስ ጸኒሓ’ያ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንኣሸሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ መስመር ትሕቲ ድኽነት ስለዝሸመሞም ኣንጻር መንግስቲ ብርቱዕ ተቃውሞ ንኸላዕሉ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን፡ ብዛዕባ ጽገናዊ ምምሕያሻት እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ሎባኖስ ዘትዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ሙስፋ ኣዲብ እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?

ወዲ 48 ዓመት ዝኾነ ሙስጣፋ ኣዲብ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣምባሳደር ሊባኖስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኮይኑ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

እዚ ብሕግን ፖሎቲካዊ ስነፍልጠትን ማዕረግ ዶክትረይት ዘለዎ ሙስጣፋ ከም ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ዝነበረ ናጂብ ሚካቲ ኮይኑ’ውን ሰሪሑ እዩ።፥

ሰዓድ ሃሪሪ ዝርከቦም ብዙሓት ቀዳሞት ሚኒስተራት እታ ሃገር ዝነበሩ ብሰንበት ኣስማት ብዙሓት ሕጹያት ምስ መጽኦም ዝያዳ ንሙስጣፋ ኣዲብ ዘለዎም ደገፍ እዩም ገሊጾም።

ዝኾነ ኣብ መወዳእታ ክመጽእ ዝኽእል ሕልኽላኻት እንተዘይኣጋጢሙ ሙስጣፋ ኣዲብ ሎሚ ሰኑይ ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ እዩ።

ሓገግቲ ኣካለት እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒሰትር መን ክኸውን ከምዘለዎ ናይ ምርቋሕ ሓላፍነት ክህልዎም እንከሎ ነዚ ተኸቲሉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሚቸል ኦን ነቲ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሓዲሽ መንግስቲ ንኸቅውም ይሸሞ፡ እዚ ግን ኣዋርሕ ዝወስድ መስርሕ እዩ።

ሓዲሽ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም ድማ መንገስቲ ሓሰን ድያብ ነታ ሃገር ብሓደራ ከመሓድራ’ዩ።