እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ ክጥንቁቑ ኣተሓሳሲቡ
ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡን ፈይስ ቡክን፡ ትማሊ 14 ሕዳር ሰዓት 7:50 ድሕሪ ቀትሪ ተደጋጋሚ ነትጕ ከምዝተሰመዐ ብምሕባር ዜጋታቱ ኣድላይ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኤምባሲ፡እቲ ነትጉ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝኾነ ዘይተጻረየ ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ኢምባሲ፡ ኣህጉራዊ መዓርፊ ኣስመራ ተደብዲቡ እዩ ዝብል ሓበሬታ እኳ እንተዘየሎ፡ ኩሎም ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ጥንቃቐታት ከዛይዱን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃብ ኣኣብ ቤቶም ኮፍ ክብሉን ካብ ዘየድሊ መገሻታት ክቑጠቡን ኣዘኻኺሩ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ኣስመራ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ተሰሚዑ።
ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከኣ እቲ መጥቃዕቲ ባዕላቶም ከምዝፈጸምዎ ሎሚ ብትዊተር ሓቢሩ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ቀዳም 14 ሕዳር ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕትታት ከምዝፈነወ ብምኽሳስ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን "ዝተመርጹ ዒላማታት" ክሃርሙ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ብኻልእ ወገን ምስ ትግራይ ኣብ ዘዳውብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢበሲ ኣረጋጊጾም።
ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኤርትራ "ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተሰምዐ ነትጒ ግን ዛጊት ብወገ ንኤርትራ ዝተገልጸ የለን።
ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ትግራይ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ምሩጻት ዒላማታት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ" ከምዘካይዱ ጠቒሱ ነይሩ።
ናብ ቀዳም ዘውግሐ ለይቲ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ከምዘካየዱ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም።
ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተወለዐ ግጭት፡ ዛጊት ብዙሕ ሞትን፡ ምፍንቓል ኣስዒቡ ይርከብ።
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፡ መጻኢ ዕብየት እታ ሃገር ክዕንቅፍን ሰላም ጎረባብቲ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ክግለጽ ምንጽንሑ ይፍለጥ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምህዳእ፡ ''ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ኵናት ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ እትውንን ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ሰፊሕ ጽልዋ ኣሎዎ።
ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል፡ ምስቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኵናት ብዲፖሎማስያዊ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ ነጺጉ፡ "ውሽጣዊ ጉዳይ'ዩ" ብምባል መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣሎ።
እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ዘሎ ኩናት "ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ'ዩ'' ብምባል፡ ናይ ኢትዮጵያ ቁዋማዊ ስርዓት ንምዕናው ዝሕልኑ "ኣንጻር ውሑድ ጉጅለ" ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ይገልጾ።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ውጽኢት ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ምትፍናን ዝነበሩ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሱዳን ይሰግሩ ከምዘለውን፡ እዚ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።