እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቶኵሲ ደው ንክብል ጸቅጢ ክግበር ተማሕጺኑ
እቲ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዕኖ ዝኾነ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ክራይስስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ።
እዚ ዓለምለኻዊ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዘመሓለለፈ ጠቂሱ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ሃገራዊ መደብር ዜና ቀሪቡ፡ እቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ንሰራዊት ፈዴራል ኣድላዩ ዘበለ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝኣዘዞም ዝዝከር እዩ።
ክራይስስ ግሩፕ ፍሉጣትን ተሰማዕትን ኢትዮዮጵያውያን፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያን ብቅልጡፍ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ቶኹሲ ደው ናብ ምባል ንክመጽኡ ክጽዕሩን ክልቲኦም ሓይልታት ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ክሰርሑን ተማሕጺኑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓረገ ምምጽኡን፡ እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር’ውን ክረአ ዝጸንሐን ዝረአ ዘሎን ግጭታት ሓድነት እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየውድቖ ዘስግእ ምዃኑ መግለጺ ክራይስስ ግሩፕ ይሕብር።
እቲ ኣብ ሞንጎ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስትን ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት፡ ጸላኢ ህወሓት ዝኾነ ግን ድማ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኢዱ ከይሕውሰሉ ስግኣት ከም ዘሎ ክራይስስ ግሩፕ ጠቂሱ።
ህወሓት ንልፍንታዊ ግንባር ኢህወደግ ኣብ ዘማእዝነሉ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ሞንጎ ኢትዩጵያን ኤርትራን ደማዊ ኵናት ተካይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ክልል ትግራይ፡ ብኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ምሉእ ደገፍ ዘለዎ ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ዝኸውን ሰራዊት (ፍሉይ ሓይልን ምልሻን) ከም ዘለዋ ዝገልጽ መግልጺ ክራይስስ ግሩፕ፡ እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ብኣግኡ ሰላማዊ መዕለቢ እንተዘይተገይርሉ ግዜ ዝወስድን ደማውን ክኽውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ።
ቅድም ኢሉ፡ ሃገራዊ መረጻ ብምድንጓዩን ብምንውሑን ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጠሓስ ኣሎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ፍልልያት ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ንክናዋሕ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ ብምባል 9 መስከረም 2020 ክልላዊ መረጻ ምክያዱ’ውን ይዝከር።
ክራይስስ ግሩፕ እቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ከኸትል ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ክልቲኦም ሓይልታት ግዜ ከይወሰዱ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ።
ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ነቲ ኵናት ኤርትራ እንተተሓዊሳቶ ሱዳን’ውን ንመቀለ ወይ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ምሕጋዝ ክትገማማዕ ከም እትኽል ይሕብር።
በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዞባ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ንስደት ክቃልዑ ከም ዝኽሉን፡ እታ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ብዙሓት ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ ኢትዮጵያ ሚዛን ሓይላ ናብ ሰሜን ከተብሎ ስለእትኽእል ኣልሸባብ ድላዩ ንኽገብር ጥጡሕ ባይታ ክፈጥረሉ ከም ዝኽእል ክራይስስ ግሩፕ ስግኣቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ዲፕሎማስኛታት፣ መራሕቲ ሰራዊት ነበር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣውሮጳዊ ሕብትን ሕቡራት ሃገራትን ነዚ ኣንጠጥዩ ዘሎ ከቢድ ጸገማት ብኣግኡ ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ቶኵሱ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንክኽተም ክጽዕሩን ናብ ዘተ ንኽኣትዉ ክደፍኡዎምን ተማሕጺኑ።
እቲ መግልጺ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት’ውን ክሳተፉ ከም ዘለዎምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሌታዊ ምቅትታል ጠንቁ ክፍታሕን ተማሕጺኑ።