ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተወሺቡ

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስኡ ርክብ ዝነበሮ ሰብ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተወሺቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ብትዊተር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ምልክታት ናይቲ ሕማም ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።

ዶክተር ኣድሓኖም፡ “ምስ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ከምዝነበረኒ ተሓቢሩኒ ኣሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ምልክታት ናይቲ ሕማም የብለይን፤ ጽቡቕ’ውን እየ ዘለኹ፡ ንዝመጽእ መዓልታት ተወሺበ ክጸንሕ እየ፡ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም እናተኸተልኩ ስርሐይ ኣብ ገዛ ኮይነ እየ ክዓምም” ኢሉ።

ብምስዓብ “ኣነን ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝርከቡ መሳርሕተይን ብሓባር ኮይንና፡ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ዘለዉ ሰባት ንምክልኻልን ህይወት ሰባት ንምድሓንን ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።

እዚ ምኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝነበረ ወዲ 55 ዓመት ዳይረክተር ውድብ ጥዕባ ዓለም “ ኩሉና ንመምርሒታት ትካላት ጥዕና ክንክተል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ምስ እንገብር ኢና ንሰንሰለት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክንበትኮ ንኽእልን ንኮሮናቫይረስ ብምቁጽጻር ትካላት ጥዕናና ካብ ዕልቅልቅ ናይ ሕሙማት ንከላኸለለንን” እውን ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንውድብ ጥዕና ዓለም ክመርሕ ዝኸኣለ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃ እዩ።

30 ጥሪ 2020 ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ እዩ ኢሉ ዝኣወጀ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ኣተሓሓዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተሎ ሜላ ብፍላይ ካብ ኣሜሪካ ተደጋጋሚ ነቀፌታታት ክወርዶ ጸኒሑ እዩ።