እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሮናቫይረስ ገና ብሕጂ'ውን ምሳና ክቕጽል'ዩ ኢሉ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰባት ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉን፡ ብስብ ሞያ ዝውሃብ መምርሒታት ከተግብሩን ከምዘለዎም ብምሕባር፡ እዚ እቲ ቀንዲ ዓለም ናብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ዝነብረቶ ክመልሳ ዝኽእል መንገዲ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሮናቫይረስ ገና ብሕጂ'ውን ምሳና ክቕጽል'ዩ ኢሉ

    ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኮሮናቫይረስ ገና ብሕጂ'ውን ምሳና ክቕጽል'ዩ ኢሉ።

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ዋላ እኳ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ እንተጎደለን ኣብ ገለ'ውን ኣብቲ ዘለዎ ደው እንተበለን፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኣሜሪካ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ይብእስ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ንሱ፡ "ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ክንፍጽም የብልናን፡ ገና ብዙሕ መንገዲ ይተርፈና ኣሎ፡ እዚ ቫይረስ ገና ምሳና ከምዝቕጽል ንዘክር" ኢሉ።

    ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰባት ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉን፡ ብስብ ሞያ ዝውሃብ መምርሒታት ከተግብሩን ከምዘለዎም ብምሕባር፡ እዚ እቲ ቀንዲ ዓለም ናብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ዝነብረቶ ክመልሳ ዝኽእል መንገዲ ምዃኑ ገሊጹ።

  2. ኣየነይቲ ሃገር'ዩ ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ተሃስያ ዘላ?

    ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ዛዕባ ኮሮናቫይረስ ንሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ዘላቶ ደረጃ ንምፍላጥ ወትሩ'ዩ ምንጭታት ዝፈታትሽ።

    ናይ ሓንቲ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ፈሊጥና፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድሓን ኣላ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ከኣ ዝያዳ ተሃስያ ኣላ ክንብል ንኽእል ዲና?

    ንኣብነት እታ 330 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዉዋ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እታ ዝበዝሑ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዘለዉዋ ሃገር እያ። ክሳብ ዕለት 22 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ልዕሊ 825 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፡ ሞት ልዕሊ 45 ሽሕ ከኣ ተመዝጊቡ'ሎ።

    ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዘለዋ ሃገራት ዓባይ ብርጣንያ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጣልያንን ስጳኛን እንድሕሪ ወሲድና ድምር ህዝቢ ናይ ሓሙሽቲኤን ሃገራት 320 ሚልዮን እዩ ዝበጽሕ።

    ኣብ ሓሙሽቲኤን ዘለዉ ቁጽሪ ምውታት ኮሮናቫይረስ እንተሪኢና ድማ ኣስታት 90 ሽሕ'ዩ፡ ክልተ ዕጽፊ ናይ ኣሜሪካ ማለት'ዩ።

    ስለዚ ኣብ ካልእ ሮቋሒታት ዘይተመርኮሰ ቁጽሪ፡ ደረጃ ሃገራት ክነገረና ኣይክእልን'ዩ።

  3. ኣብ ጀርመን ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ክፍተን'ዩ

    ናይ ጀርመን ባዩኤንቴክን ናይ ኣሜሪካ ፋይዘር ኣፍረይቲ መድሃኒት፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ክፍትኑ ፋቓድ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

    እዚ ፈተነ ክታበት ኣብ ጥዑያት ሰብን ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 55 ኣብ ዝኾኑ 200 ሰባት ከምዝፈተን'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

    ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን የንስ ስፓን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጀርመን ፈትነ ክታበት ኮቪድ-19 ንምክያድ አኺል ምድላዋት ክግበር ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

    " እንተኾነ እዚ ክታበት ውጽኢቱ ንኽረአ ኣዋርሕ ክውስድ ከምዝኽእል ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ክታበት ብመርፍእ ዝውሃብ ኮይኑ ከስዕቦ ዝኽእል ጎድናዊ ሳዕቤናት ከይህሉ ጥቡቕ ምክትታል ክግበር'ዩ" ኢሉ እቲ ሚኒስተር።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝግበሩ ዘለው ምርመራት ውሱናት እዮም ኣብ ሰብ ክፍተኑ ፍቃድ ተዋሂብዎም ዘሎ።

    ተመራመርቲ ኣተኣማማኒ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብኽረከብ ኣስታት ሓደ ዓመት ክወስድ ከምዝኽእል'ዮም ዝሕብሩ።

    ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ'ውን ኣብዚ ሰሙን ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከካይየዱ ምዃኖም ምግላጾም ይዝከር።

    ኣብ ቻይናን ኣሜሪካን'ውን ተመሳሰልቲ ፈተነታት ክካየዱ ንጽንሖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ፣

  4. ደቡብ ኣፍሪቃ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ልዕሊ 70 ሽሕ ወታሃደራት ከተዋፍር’ያ

    መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንሃገራዊ ዕጽዋ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ልዕሊ 70, 000 ወታሃደራት ከዋፍር’ዩ።

    ቁጽሪ ዝተለኽፉ፡ ድሕሪ ምውሳኹ’ዩ፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ፡ ተወሰኽቲ 73, 180 ወታሃደራት ኣብ ከተማታት’ታ ሃገር ከዋፍር ተገዲዱ።

    ኣቐዲሙ፡ ትግባረ ናይቲ ተኣዊጁ ዘሎ ተሪር ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ንምኽባር ኣስታት 3000 ወታሃደራት ክዋፈሩ ኣዚዙ ነይሩ’ዩ።

    ጉያ፡ ምንቅስቓስ ከልቢን መሸጣ ኣልኮላዊ መስተን ዝበሉ ንጥፈታት ተኣጊዶም ይርከቡ። ይኹን ‘ምበር፡ ኣብ ገለ ቦታታት ነቲ ኩነታት ምቁጽጻር ከም ዘይተኻእለ ጸብጻባት ይገልጹ።

    ዛጊት፡ 3, 465 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 58 ሞይቶም።

  5. ኣመሪካ፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ከጋጥማ ከም ዝኽእል ተገሊጹ

    ኣመሪካ፡ዝገደደ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ረሮናቫይረስ ከጋጥማ ከም ዝኽእል ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጥዕና ኣጠንቂቑ።

    ሓላፊ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ዶ/ር ሮበርት ረድፊልድ፡ እቲ ለበዳ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ተመሊሱ ብናህሪ ክላባዕ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

    እቲ ኩነታት ካብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝጅምር ናይ ዛሕልን ሰዓልን ወቕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ትካላት ጥዕና “ክትሓስቦ ዘጸግም” ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ገሊጹ።

    ስለዚ ዜጋታት፡ ኣቐዲሞም ናይ ሰዓል ክታበት ክወስዱ ተማሕጺኑ።

    ዛጊት፡ ኣመሪካ ልዕሊ 800 000 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ልዕሊ 45 000 ሰባት ድማ ሂወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

    እታ ሃገር ብመጠን ዝርጋሐን ናይቲ ለበዳን ቁጽሪ ሞነን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

  6. ኣብ ህንዲ ንሓካይም ዝተተናኾለ ሰብ 7 ዓመት ክእሰር'ዩ

    መንግስቲ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ንሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን መጥቃዕቲ ንዝፍጽሙ ብኸቢድ ክቐጽዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

    እቲ መቕጻዕቲ ክሳብ ሽውዓተ ዓመት ማእሰርቲ ዝብል ከምዝርከቦ፡ እቲ ሓዲሽ ዝወጽአ ሕጊ ደንጊጉ'ሎ።

    ኣብ ህንዲ ምስ ጥርጡራት ኮሮናቫይረስ ርክብ ንዝነብሮም ንምርካብን ንምውሻብን ኣብ ፈቐዶ ዓድታት ዳህሳስ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ሓካይም ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዝወርዶም ዘሎ መዛግብቲ ይሕብሩ።

    ነዚ ንምግታእ ሎሚ ሮቡዕ ዝወጽአ መንግስታዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓካይም መጥቃዕቲ ዘውርድ ዝኾነ ይኹን ሰብ 6500 ዶላር ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ክሳብ 7 ዓመታት ዝብጽሕ ማእሰርትን ከምዝጽበዮም ጠቒሱ ኣሎ።

  7. ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ኤርትራ ንዘይተፈለጠ እዋን ተናዊሑ

    ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ኤርትራ ሎሚ 22 ሚያዝያ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ምሉእ ዕጽዋ ንዘይተወሰነ እዋን ከናውሖ ከምዘወሰነ ገሊጹ።

    እቲ "ነብሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል" ዝድንግግ ኣዋጅ፡ ንተግባራውነቱ ጥቡቕ ምክትታል ክግበር ምጽንሑ ዘዘኻኸረ እዚ መግለጺ፡ ቀለቤት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምብታኽ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ እስትራተጂ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ምዃኑ ይገልጽ።

    እቲ መግለጺ ብምስዓብ ናብ ኤርትራ ካብ መገሻ ብኣየር፡ ብባሕርን መሬታዊ ዶባትን ዝተመለሱ ዜጋታትትን ምስኦም ቀረባ ምትእስሳር ዝነበሮም ብጠቕላላ ኣብ ኩሉ ዞባታት 1660 ን21 መዓልታት ብምውሻብ፡ ንዝተጠርጠሩ ሕክምናዊ መርመራታት ብምክያድ 39 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ይሕብር።

  8. ብዙሓት ኬንያውያን ካብ ውሸባ ሃዲሞም

    ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብርክት ዝበሉ ተወሺቦም ዝነበሩ ኬንያውያን ከምዝሃደሙ ኣፍሊጡ።

    እዞም ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዝሃደሙ ዜጋታት፡ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም'ውን ሓቢሩ።

    እቶም ውልቀሰባት ካብቲ ማእከል ከምልጡ ከለው ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ እዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ንጉሆ መግለጺ ክህብ ዝተገደደ።

    እቲ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቶም ተወሺቦም ዝነበሩ ካብቲ ማእከል ዘሊሎም ክወጹ ከለው የርኢ።

    ሲቲዝን ቴሌቪዥን፡ እቶም ውልቀሰባት ሓያል ዝናብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሂዲሞም ክወጹ ከም ዝኸኣሉ እዩ ጸብጺቡ።

  9. ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔን፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከፍኩሶ ምዃኑ ተዛሪቡ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔን ፔድሮ ሳንቾዝ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ከቕልሎ ትልሚ ከምዝሓዘ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ጉድኣት ብዘይብጽሕ መልክዑ ቀስ ብቐስ እናፍኮሶ ከምዝኸይድ እዩ ተዛሪቡ።

    እንተኾነ፡ እቲ ኣዋጅ ህጹእ እዋን ክሳብ መባእታ ወርሒ ሰነ ከምዘናውሖ እዩ ትጽቢት ዝግበር።

    ኣብ ስፐይን፡ ኣዋጅ ዕጽዋ መጀመርታ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ተነቢሩ ነይሩ።

    እታ ሃገር ካልኣይቲ ዝለዓለ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ እዩ ዘለዋ።

    ዛጊድ 204 178 ዜጋታት ስፔን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።።

  10. ቻይና ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ክሲ የሻቕላ ዶ ይኸውን ?, ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ ንቻይና ከሲሳ እያ

    ግዝኣት ሚሶሪ ንቻይና እትኸሰሉ ዘላ እዋን፡ ትራምፕ ብጉዳይ ከቪድ19 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ኢዱ ኣብ ዘወጣውጠሉ ጊዘ እዩ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ፈለማ፡ ቻይና ነቲ ለበዳ ዝኣለየትሉ መንገዲ ንኢዱ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ።

    እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ሃገሩ ኣትዩ ንባዕሉ ኣብ ጭንቂ ምስ ኣተወ ግን ናብ ቻይና ከሳብብ ጀሚሩ፡ 'ነዚ ኹሉ መዓት ቻይና እያ ትሕተተሉ' ኢሉ።

    ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት [ኤውሮጳውያን] ኣብታ ሃገር ክካየድ ትልሚ ንዝተትሓዘሊ መረጻ፡ እዚ ካብ ግዝኣት ሚሶሪን ካብ ገለ ኩባንያታትን ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ንሰልፊ ሪፐብሊካን ጽቡቐ ፖለቲካዊ ከስቢ ክረኽበሉ ከምዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ፡ ፕሮፌሰር ቶም ጊንስበርግ፡ "ብዙሓት ፖለቲከኛታት ናይቲ መንግስቲ ውድቀት ንምሽፋን ትኹረቶም ኣብ ጉዳያት ቻይና እዩ ኾይኑ ዘሎ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።

    ቻይና ግን እዚ ክሲ ወዲ ክሲ ዘገደሳ ኣይትመስልን። ናይ ደገ መንግስታት ኣብ ዓዳዊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከይኽሰሳ ዝእግድ ሕጊ ኣሎ።

    ምናልባሽ፡ ኣመሪካ ብሓቂ ንቻይና ክትከስስ ድሌት እንተሃልዩዋ፡ ኣብ ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ እያ ክተቕርቦ እትኽእል።

    ከምኡ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ቻይና ድማ፡ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰልን ግቡእን ኣለዎ።

  11. በርሊን ማራቶን 'ኣብ መጻኢ መስከረም ኣይካየድን' ተባሂሉ

    በርሊን ማራቶን ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ቅድድማት ጉያ ዓለምና ኮይኑ፡ ኣብ ጀርመን ርእሰ ከተማ ዝእንገድ እዩ።

    እቲ ቅድድም፡ 27 መስከረም ክካየድ መደብ እኳ እንተነበረ፡ ጀርመን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት ዝርከቡሎም ምትእኽኻባት ከይህልዉ ዝእግድ ክልከላ ክሳብ 24 ጥቅምቲ ኣናዊሓቶ ኣላ።

    ስለዚ ድማ፡ በርሊን ማራቶን ኣብቲ ዝተመደበሉ እዋን ከምዘይካየድ ተገሊጹ።

    ኣወሃሃድቲ እቲ ቅድድም ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መብርሂ፡ “እቲ ውድድር በቲ መደብ ከምዘይካየድ” እኳ እንተገለጹ ብዛዕባ ናብ ካልእ ግዜ ምንውሑን መዓዝ ከምዝካየድን ግን ዝበልዎ ነገር የለን።

    “ቀጻሊ ስራሕቲ ክነተሓባብር ኢና” ጥራይ ኢሎም።

  12. ኣመሪካ፡ ን60 መዓልታት መንበሪ ፍቓድ ምሃብ ደው ከምእተብል ገሊጻ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእሎም መንበሪ ፍቓድ (ግሪን ካርድ) ንምርካብ ዝቐርብ ሕቶ ን60 መዓልታት ደው ከምዘብሎ ገሊጹ።

    እዚ ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዃኑ ዝገለጸ እንትኾን፡ እቲ ስጉምቲ ናይ ኣመሪካውያን ዕድል ስራሕ ዘውሕስ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።

    ኣብታ ሃገር ድሮ መብዛሕትኡ ኣገልግሎታት ቪዛ ደው ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ እዚ ስጉምቲ ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዘለዎ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

    ነቐፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ኣተኣላልያ ኮሮናቫይረስ ንዘርኣዮ ጸገም ንምሽፋን፡ እቲ ቆላሕታ ኣብ ካልእ ንምግባር እዩ ዝፍትን ዘሎ ይብሉ።

    ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 45,000 ሰባት ሞይቶም እዮም።

    ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት ድማ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣሳቢቡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መጥቃዕትታት ይፍጽም ኣሎ ክብሉ ይኸስዎ።

  13. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቁጠባዊ ሃስያ ኮሮናቫይረስ ንምቅላል 26 ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲርያል ራማፎራ፡ ብሰንኪ ኮሮነቫይረስ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታትን ሸቃሎን ከብጸሕ ንዝኸእል ጉድኣት ንምሕዋይ ናይ 26 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ።

    ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ሸቃሎ ድማ ኣብቲ መደብ ክካተቱ እዮም።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ትማሊ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ ኣብ ዝሕለፎ መልእኽቲ፡ እዚ መጠን ሓገዝ ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ናይታ ሃገር 10 ሚኢታዊት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

    እቲ ተመዲቡ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ብመልክዕ ናይ ግብሪ ሩፍታ፣ ስርሖም ንዝሰኣኑ ድጋፍ መሃያ ብምግባር፡ ከምኡ'ውን ንኣናእሽቱ ትካላት ንግዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባር እዩ ክትግበር።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ናይ ሓደ ወርሒ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣደዳ ጥሜት ከምዝኾነ ኣሚኑ።

    እንተኾነ፡ እቲ ኣዋጅ፡ መንግስቲ ህይወት ብዓሰርተ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንምድሓን ዕድል ከምዝፈጠረሉ ተዛሪቡ።

    ዛጊድ ኣብታ ሃገር 3400 በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፡ 58 ሞይቶም እዮም።

    እቲ ፕረዚደንት ግን ፡ 'ገና ይጅምር እዩ ዘሎ' ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

  14. ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ንቻይና ከሲሳ

    ሚዙሪ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይናን እቲ መራሒ ውድብን ክሲ መስሪታ።

    እቲ ክሲ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ምክልኻል ከይግበር ኮነ ኢልካ ብምትላልን ብምሽፍፋንን ሓሊፋቶ ዝብል እዩ።

    "መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ሓደገኛነትን ባህሪ ምልባዕ እቲ ሕማምን ንዓለም ሓቢኡዎ እዩ። እቲ ሕማም ብኣግኡ ንምግታእ ድማ ግቡእ እጃሙ ኣይተዋጸአን" ዝብል ይርከቦ ትሕዝቶ እቲ ክሲ።

    ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኤሪክ ስችሜት "ነዚ ተግባሮም ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ" ኢሉ።

    እቲ ክሲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ንዝበጽሐ ሞትን ስቅያትን፣ ከምኡ'ውን ቁጠባዊ ቅልውላው ቻይና ክትክሕስ ይጠልብ፥።

    ቻይና ብወገና፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ዝኣለየሉ መገዲ እያ ትነቅፍ።

    ሰበ-ስልጣን ሚዙሪ፡ ነቲ ክሲ ታሪኻዊ ዝበልዎ እንትኸውን፡ ገለ ተዓዘብቲ ድማ ትርጉም ዘለዎ ክሲ መሲሉ ኣይተርኣዮምን።

  15. ኣብ ናይ ትማሊ ቀጥታዊ ጸብጻብና፡

    ኣብ ናይ ትማሊ ቀጥታዊ ጸብጻብና ኣጋ መወዳእታ እዞም ሓበሬታታት ናበኹም ኣቢልና ነይርና።*ኣብ ኤርትራ፡ ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነው ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

    *ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሱዳንን ኮንጎን ሓያል ዓጸቦ ክስዕብ ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቒቑ።

    *ሓደ ሰራሕተኛ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሚያንማር፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ዝእክበሉ ዝነበረ እዋን ተቐቲሉ።

    *ብደረጃ ዓለም፡ ቁጽሪ ናይቶም ኮሮናቫይረስ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጸ ሰባት ኣስታት 2.5 ሚልዮን ከምዝበጽሐን፡ ዛጊት 171, 152 በቲ ቫይረስ ሞይቶም።

    * ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ጸብጻብና ጀሚርና ኣለና፡ ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልኩም!