ኒውዝላንድ ሰባት ብፍቓዶም ንክሞቱ ዝውስን ሕጊ ከተውጽእ'ያ

ኒውዝላንዳውያን ድሕሪ ንዓመታት ዘካየዱዎ በዳሂ ክትዕ፡ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ሕጋዊ ክኸውን ኣድሚጾም።

ኣብዚ ዕለት፡ እቲ ብ2019 ሓድሽ ሕጊ ኮይኑ ናብ ግብሪ ዝኣተወ መምርሒ ብምርጫኻ ምሟት ዝብል ሕጊ 65.2 ሚኢታዊት ሰባት ደጊፎምዎ ኣለው።

እዚ፡ ክድሕን ብዘይኽእል ሕማም ዝሳቐዩን ብህይወት ንምጽናሕ ዝተርፎም ግዜ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ እንተኾይኑን፡ ብሕክምና ተሓጊዞም ክሞቱ ዘፍቅድ ኮይኑ፡ ብኽልተ ዶኳትር ዝጸደቐ ክኸውን ኣለው።

እዚ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ነቲ ዝጸንሐ ክትዕ ዝጠምር ኮይኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ውጽኢት 480 ሽሕ ፍሉይ ድምጺ፣ ብፖስታን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለው ዜጋታት ዝህቡዎ ድምጽን ዘካተተ ኣይኮነን።

ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ክሳብ መጻኢ ዓርቢ ኣይፍለጥን።

ግን ድማ ጠንካራ ድጋፍ ይረክብ ከም ዘሎ ዘመላኽት ውጽኢት ብኣጋ ይርኣይ ኣሎ።

ኒውዝላንድ ነዚ ሕጊ ክተጽድቕ ከላ፡ ንኔዘርላንድስን ካናዳን ሓዊሱ ብዘይሓዊ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ብሕክምና ተሓጊዞም ክሞቱ ናይ ዝኽተላ ሃገራት ክትጽምበር እያ።

እዚ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ጎና ጎኒ ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ካናቢስ ንመዘናግዒ ሕጋዊ ክኸውን ዝብል ምኽረ ሓሳብ ነጺጎምዎ እዮም።

53. 1 ሚኢታዊት ኣይፋል ክብሉ ከለው፡ እቶም 46.1 ድማ እወ ዝብል ድምጺ ሂቦም ነይሮም።

ንምዃኑ እዚ ሓድሽ ሕጊ እንታይ’ዩ?

ፓርላማ ኒውዝላንድ፡ ብ2019 ብምርጫኻ ብሕክምና ተሓጊዝካ ምሟት ዝብል ሓሳብ ክቐርበሉ ከሎ ሓያል ክትዕ ኣካይዱ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ሓሳብ ብድምጺ ህዝበ ውሳነ ክዳነ ብምውሳን፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ እንተተረኺቡ ከም ዝጸድቕ ይገብር።

ሓደ ሰብ ተሓጊዙ ክመውት ዝሓተሎም ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት ግን ኣለው

  • ብዘይድሕን ሕማም ይቕንዞ እንተሃልዩን ብህይወት ንምጽናሕ ዘለዎ ዕድል ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ እንተኾይኑን
  • ምድኻም ኣካላዊ ብቕዓት የርኢ እንተሃልዩ
  • ብዛዕባ ብሕክምና ተሓጊዝካ ምሟት ትኽክለኛ ርድኢት እንተሃሊዩዎ

እቶም ነዚ ዘጽድቑ፡ ዶኳትርን ነርሳትን ኮይኖም፡ ኩሎም ረቛሒታት ዝተማልኡ ምዃኖም ከረጋግጹ ኣለዎም።

እዚ ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ብህይወት ዝጸንሐሉ ዕድመ ዝለዓለ እንተኾይኑ፣ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እንተሃሊዩዎን ኣካላዊ መጉዳእቲ ጥራሕ እንተኾይኑን ነዚ መስርሕ ብቑዕ ኣይኸውንን ይብል።

እንተኾነ፡ ብዙሓት ነዚ ምርጫ ዝድግፉ እንተሃለው’ውን ዝነቕፉዎን ዘይቕበሉዎን ግን ኣለው።

ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ “ኣብ ክንዲ ንመውት ክንነብር ሓግዙና” ዝብል ጭርሖ ሒዞም ሰልፊ ተቓውሞ ገይሮም እዮም።

ዜጋታት “ኣይፋል” ዝብል ድምጺ ንክህቡ ዝጉስጉስ ሓደ ጉጅለ እዚ ሕጊ ንጥዕና ሕብረሰተብ ስግኣት ዝፈጥር እዩ ይብል።