እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተፈጸመ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ከምዘፍለጦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ትካል ቤት ትምህርቲ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብቐንዱ ተኸተልቲ ሺዓ እስልምና ዝመሃሩሉን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ዘለዉዎን እዩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ናብ ሕክምና ተወሲዶም እዮም። እቲ ነትጉ ከቢድ ብምንባሩ ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።
ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይሲስ) ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።
ታሊባን ድማ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ‘ኣይፈጸምኩዎን’ ኢሉ’ሎ።
“ሓደ ቦምባ ዝዓጠቐ ሰብ፡ ናብ’ቲ ቤ ትትምህርቲ ኣትዩ። ቅድሚ ሓለውቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ድማ፡ ነቲ ነታጉ ኣፈንጂርዎ” ኢሉ ወሃቢ ለል ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ታሪቅ ኣሪያን።
ኣሊ ራዛ ዝበሃል ናይ’ቲ ከባቢ ነባሪ፡ ንመደበር ዜና ኤኤፍፒ ከምዝበሎ፡ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ናብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ እናተጸበዩ ዝነበሩ እዮም።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዉ ኣመንቲ ሺዓ እስልምና፡ ቅድሚ ሕዚ’ውን ናይ ሱኒ እስልምና ተኸተልቲ ብዝኾኑ ጥሩፋት መጥቃዕቲ ይበጽሖም እዩ።