ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኦብነግ ተኣሲሮም

ግምባር ብሄራዊ ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቱ ከምዝተኣሰሩዎ፡ ውሃቢ ቃል ናይ’ቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዱልከድር ሓሰን ኢርሞጌ ኣዳኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ድማ፡ ኣቦወንበር ዞባ ቆራሄ መሓመድ ጂግሬ ገመዲድ፣ ምክትሉ ተማም መሓመድ ማሕሙድ፡ ከምኡ ድማ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ናይ’ቲ ሰልፊ መሓመድ ኢብራሂም ሙርሳል እዮም።

ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዑመር ፋሩቅ ወርፋ ብወገኑ፡ እቶም ፖለቲከኛተት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኦብነግ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ከምዝበሎ፡ መሓመድ ኢብራሂም ሙርሳል ትማሊ ረቡዕ እዩ ኣብ ከተማ ቀብሪ ደሃር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቶም ካልኦት መራሕቲ ተቓውሞ ድማ፡ ብሰሉስ ከምዝተኣሰሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ “ኦብነግ ሰላም ምኽባሩ፡ ነቲ ክልል ኣቖጢዕዎ’ሎ” ኢሉ።

ነቲ ማእሰርቲ ድማ ዘይሕጋዊ ኢልዎ።

ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበረ ኦብነግ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ተቐቢሉ ካብ ኣስመራ ከም ዝተመለሰ ይፍለጥ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ኣብ ቀብሪ ድሃን ዓብዪ ናይ ድጋፍን ታሕጓስን ሰልፊ ተኻይዱ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀብሪድሃር ተኸታተልቲ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ከካይድ እንከሎ፡ ነዚኦም ካብ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ፍቓድ ረኺቡ ከም ዝኾነ እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።

ኣቶ ዑመር ብወገኑ እቲ ኣኼባ ክካየድ እንከሎ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ።

ብተወሳኺ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ግቡእ ናይ ምክልኻል መገዲታት ኣብ ዘይተተግርሉ ኩነታት ብዙሕ ሰብ ብምጽውዑ እቲ ዘካይዶ ኣኼባ ክብተን ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ኦብነግ'ውን እቲ ዘካይዱዎ ዘለዉ ዘተ "ዘይሕጋዊ" ከም ዝኾኑ ክንሕብሮም ከለና ንምቕባል ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብዱልከድር ሓሰን በዚ ከም ዘይሰማማዕ ብምግላጽ፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይገበሩን ዝተፈጥረ ጸገም ይኹን ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሰልፊ ኣብ ሞንጎ ኦብነግ፣ መንግስቲ ሶማልን ፌደራልን ድርድር ይካየድ ከም ዘሎ ብምሕባር እቲ ጸገም ብዘተ ንክፍታሕ ተስፋ ኣለኒ ኢሉ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ኮነ ፌደራል ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኦብነግ ዘነጻጸሩ መጥቃዕታት ከብጽሕ ከም ዝጀመረ ዘመላኽቱ ጉዳያት ኣለው ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

"ብሰላማዊ መገዲአ ኢና ንቃለስ ዘለና፤ ምስ ኩሎም ኣካላት ብምትሕብባር ክንሰርሕ ንደሊ ኢና፤ ግን ድማ ዝኾነ ዓይነት ምጽሕታር ነገር ወይ'ውን መጥቃዕቲ ክፍጸም የብሉን" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ማእሰርቲ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ምስቲ ክልል ብምዝርራብ ክፍታሕ ከም ዝገብሩ ብምሕባር፡ ውጽኢት እንተዘይኣምጺኡ ግን ናብ ፌደራል ከም ዝኸዱ ወሃቢ ቃል ኣብዱልከድር ሓሰን ተዛሪቡ።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ብሰላማዊ መገዲ ክሳተፍ መደብ ከም ዘለዎ'ውን ሓቢሩ።

ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፤ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ሰፊሩ ዝጸንሐን፡ ብውሳነ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ካብ’ዚ መዝገብ ዝተሰረዘን እዩ።

እቲ ውድብ፡ ካብ 1984 ጀሚሩ፤ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን፡ ሉዓላዊት ሶማሌ ንምምስራትን'ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።

ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኦብነግ፡ ብ18 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታዩ፡ እቲ ውድብ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዕጥቁ ፈቲሑ ናብ ዓዲ ኣትዩ።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ኦብነግ ኣብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝገብር ዘሎ እዩ።

ኦብነግ ሰላማዊ ቃልሲ ንምግባር ናብ ዓዲ ዝኣተወሉ መዓልቲ ንምዝካር፡ ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ቀብሪ ደሃር ጽምብልን ሰልፍን ተገይሩ እዩ።