እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኮቪድ የለን' ክብል ዝጸንሐ ፍሉጥ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ብኮቪድ ሞይቱ
'ኮሮናቫይረስ የለን' ክብል ዝጸንሐ ፍሉጥ ዩክሬናዊ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያን በዓል ሞያ ህንጸት ሰብነትን፡ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ።
ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነ ወዲ 33 ዓመት ዲሜትሪ ስቱዙክ፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ልቢ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሞይቱ።
ሬስኡ ድማ፡ ካብ ባህሊ ዩክሬን ብዝተፈለየ መልክዑ፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሽኢጉ፡ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ድማ ብዙሓት በጻሕቲ ተኸልኪሎም።
ንመወዳእታ ግዘ ኣብ ኢንስታግራም፡ 1.1 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰዓብቱ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ " ከጠንቅቐኩም ይደሊ፡ ኣነ እውን ክሳብ ዝሓምም ኮቪድ ዝበሃል የለን ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ" ብምባል ንሓደገኛነት ናይቲ ቫይረስ ኣሚኑ።
ብተወሳኺ "ኮቪድ-19 ብቐሊሉ ዝገድፍ ሕማም ኣይኮነን፤ ከቢድ እዩ" ክብል ጽሒፉ።
ናብ ቱርኪ ምብጻሕ ክገብር ምስ ከደ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ካብ ምድቃሱ እንትለዓል ክሳዱ ሓቢጡን ምትንፋስ ተጸጊሙን ከምዝነበረን ጽሒፉ ነይሩ።
ናብ ሃገሩ ዩክሬን ምስተመለሰ ድማ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ። ኮይኑ ግና በቲ ዝተዳኸመ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ስለዘይተኣማመነ፡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ብመተንፊሲ ማሽን እናተሓገዘ ጸኒሑ።
በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት፡ ኣብ ፋሽን እትነጥፍን ኣብ ኢንስታግራም 5̀ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋን ሶፍያ ስቱዙክ፡ ብሞት ዲሜትሪ ስቱዙክ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊጻ።