እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቪዛ ንምርካብ ኣብ ዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ 11 ደቂ-ኣንስትዮ ተረጊጸን ሞይተን
ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ጃላላባድ ቪዛ ንምርካብ ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብዝፈጠርዎ ምጽቕቓጥ፡ ብውሕዱ 11 ደቂኣንስትዮ ሞይተን።
እቶም ተገልገልቲ ኣብ ሓደ ስታድየም ተኣኪቦም እዮም ቪዛ ንምርካብ የመልክቱ ነይሮም።
ኣብ'ዚ ብዘጋጠመ ምጽቕቓጥ ግን ብውሕዱ 11 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሞታ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ካልኦት ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት’ውን ጉድኣት በጺሑዎም ከም ዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እቲ ፍጻመ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣፍጋኒስታውያን ናብ ፓኪስታን ንምስጋር ቪዛ ንምሕታት ኣብ ዘመልክትሉ እዋን ብዘጋጠመ ምጽቕቓጥ ተፈጢሩ'ዩ።
ናብ ፓኪስታን ዘእቱ ቪዛ ንምርካብ ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተቋሪጹ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ን7 ወርሒ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግልጋሎት ቪዛ፡ ዳግም ኣገልግሎት ክጅምር እንከሎ ከምዚ ዓይይት ምጽቕቓጥ ክፈጥር ከም ዝኽእል ተሰጊኡ ምንባሩ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
“እቲ ብዝሒ እኩብ ሰብ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ከይዱ። ካብኡ ድማ ምጽቕቓጥ ኣስዒቡ” ኢሉ ውሃቢ ቃል ናይ'ታ ሃገር።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣምባሳደር ፓኪስታን፡ ማንሱር ኣሕመድ ኻን በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ተዛሪቡ።
ከምኡ ድማ፡ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ንኣመልከትቲ ቪዛ ዝሐሸ ግልጋሎት ዝህብሉ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ ጉዳይ ከም ዝዘተዩ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ነንበይኖም እዮም ሪጋ ዝሕዙ።
ብርክት ዝበሉ ኣፍጋኒስታውያን በበብዓመቱ ካብ'ቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዕግርግር ከምልጡ፣ ዘመድ ክሓቱን፣ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡን ከምኡ ድማ ንሸቕሊ ናብ ፓኪስታን ይጓዓዙ።