እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዜግነት ካልእ ሃገር ዝወነኑ፡ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ
ሕገ መንግስቲ ኢትዮዽያ ክልተ ዜግነት ቅቡል ኣይገብርን። ዝኾነ ይኹን ዜጋ እታ ሃገር ዜግነት ካልእ ሃገር ረኺቡ እንተድኣ ኮይኑ፤ ነቲ ኢትዮዽያዊ ዜግነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝገደፎ ይቑፀር።
እቲ ዜግነት ካልእ ሃገር ዝረኸበ ወይ ድማ ናይ ካልእ ሃገር ፓስፖርት ዝሓዘ ትውልደ ኢትዮዽያዊ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝህልዎ ተሳትፎ'ውን ብኡ ልክዕ ዝተገደበ'ዩ ዝኸውን።
ፖለቲካዊ ተሳትፎ
ሙሁር ሕጊ ፌደራሊዝም ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ኣሰፋ ፍስሃ ከምዝብልዎ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮዽያ ተሳትፎ ክገብር እንተዳኣ ኮይኑ ብቐዳምነት ዜግነት ክህልዎ ከምዝግባእ ብንፁር ዝተቐመጠ ሕጊ ኣሎ።
"ሕጋዊ ተሳትፎ ፖለቲካ ንኽህሉ ይኹን ሰልፊ መስሪትካ ኣብ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ንምስታፍ ዜጋ ጥራሕ'ዩ ዝፈቅድ። ካብዚ ወፃኢ ልምዓትን ቁትባዊ ምዕባለን ንምስላጥ ኣብ ውሱን ጉዳያት ኢትዮዽያዊ ትውልዲ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ክሳተፉ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ መንግስቲ ከምዘሎ ዝፍለጥ'ዩ።" ይብሉ ክልተ ዜግነት ክልተ ሃገራት ዝፈቅድ ሕጊ ኣብታ ሃገር ከምዘየለ ብምዝኽኻር።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይንስ የማነ ዘርኣይ፤ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝተመስረተሎም ኣታሓሳስባታትን ክብርታትን ከምዘለዉ ብምሕባር "ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ዝወስዶም ዘለው ገለ ስጉምትታት ምፍታሕ እሱራት ብግልፂ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር እውን በዚ መገዲ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም ግልፂ ኣይኸውንን" ኢሎም።
ኣብዚ ከምኣብነት ዘልዕልዎ ድማ ንምፍታሕ መስራትን ኣባል ኣመራርሓን 'ጉንበት ሰባት' ኣይተ ኣንዳርጋችው ፅጌ እዩ።
"ጉንበት ሸውዓተ ነዚ መንግስቲ ብዕጥቂ ተቓሊሰ ከውድቖ እየ፤ ንሕገ መንግስቲ'ውን ኣይቕበልን ዝብል ቅዋም ዘለዎ'ዩ" ዝብሉ እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር፤ ናብ ድርድር ንምምፃእን ሰላም ንምምላስን ብዝብል ነታ ሃገር ይመርሕ ዘሎ ግምባር ንኣይተ ኣንዳርጋቸው ፈቲሑ እንተኾይኑ ቅቡል ምግባር ከምዝካኣል ይዛረቡ።
"እቲ ግምባር ናብ ድርድር ዘይመፀ፤ እቲ ውልቀ ሰብ እውን ቅዋሙ ዘይቀየረ ምፍታሕ ግን ሕቶ ዘልዕል'ዩ።" ኢሎም።
"እቲ ሕጊ ከምዘይፈቕደሎም እፈልጥ እየ" ዝብሉ መስራትን ኣባል ኣመራርሓን ሰልፊ 'የኢትጵያውያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ' (ኢዴፓ) ኣይተ ሙሼ ሰሙ ብወገኖም ዜግነቶም ዘይኮነስ ንምቕያር ዜግነቶም መንቀሊ ዝኾነ ምኽንያት ክረኣ ከምዘለዎ ይረድኡ።
"እቶም ሰባት ካብ ሃገሮም ዝወፁሉ ምኽንያት ንሃገሮም ፀሊኦም ኣይኮነን። እዋን ደርጊ እንተርኢና እቲ ዝነበረ ዓፈና፣ ማእሰርቲ ቅትለትን ኲናት ሕድሕድን ኣብዛ ሃገር ምንባር ከም ኣማራፂ ዘይረኣይሉ ግዜ ስለዝነበረ ብዙሓት ተሰዲቶም'ዮም" ዝብሉ ኣይተ ሙሼ ኣብተን ሃገራት ምስ ከዱ'ውን ህይወቶም ንምምራሕን መነባብሮኦምን ንምምሕያሽን ዜግነት ከምዝቅይሩ የረድኡ።
ሎሚ እውን ኣብ ስርዓት ኢህወዴግ ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዘሎ የዘኻኽሩ።
ብሓፈሻ ግን፡ "ኣብ ኢትዮዽያ ይፍፀም ዘሎ እሱራት ናይ ምፍታሕ መሰርሕ ብመንፅር ሕጊ እንተሪኢናዮ ብዙሓት ሕቶታት ዘልዕል ነገራት ኣለዎ። ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ግን ነቲ ሕጊ ክንሰግሮን ነቲ ሓቂ ክንብል ፍታሕ ክነምፅእ ዘገድድ ኩነታት ኣሎ" ይብሉ።
ሉኣላውነት ሃገር
ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ፤ ብትውልዲ ኢትዮዽያውያን ኮይኖም ካልእ ዜግነት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እታ ሃገር ምእታዎም ሉኣላውነት ሃገር ምስ ምጥሓስ የተሓሕዝዎ።
"ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ኮይኖም ኣብ ናይ ኢትዮዽያ ጉዳይ ክኣትዉ ከለዉ ብግልፂ ሕጋውነት ይብሉን። ዋኒን ኢትዮዽያውያን ዘይኮነስ ናይ ካልእ ሃገር ዕላማ እዮም ዘሰጉሙ ዘለዉ።" ይብሉ።
ኣብተን ዜግነት ዝረኽቡለን ሃገራት ቃለ መሓላ ክፍፅሙ ከለዉ'ውን ንድልየታተን ከምዝውፈዩ ቃል ኣትዮም ስለዝኾነ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ምሓዞምን ዘይምሓዞምን ምፍላጥ ከምዘይካኣል ይሕብሩ።
ኣይተ ሙሼ ግን "እቶም ኢትዮዽያውያን፤ ንድሕንነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ኮይኖም እንተዝርከቡ፣ መረዳእታ ሃገር እንተዝሸጡን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ተሓባቢሮም እናሰርሑ እንተዝርከቡን'ዩ እቲ ፀገም ዝፍጠር" በሃላይ እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮዽያውነቶም ብፓስፖርት ክዕቀን ከምዘይብሉን ውሽጣዊ ድልየታቶም ጥራሕ ምርኣይ ከምዝግባእን ይዛረቡ፤ ኩነታት እንተተመቻችይሎም ሓደ እዋን ናብ ዜግነቶም ከምዝምለስ ዝደሊ ኣእምሮ ከምዘለዎም ብምሕባር።
"ኩሉ ነገር ገዲፎም ብዛዕባ እታ ዝነብሩላን ዜግነት ዝሃበቶምን ሃገር ክሓስቡ ምተገበአ ነይሩ። ይኹን ዳኣ'ምበር ነዛ ሃገር ገንዘቦም የወፅኡ፣ ግዜኦም የባኽኑ፣ ገለገሊኦም ድማ ክሳብ ናብ በረኻ ወፂኦምን ናብ ዝተፈላለየ ከባብታት እናተንቀሳቅሱን ገንዘብ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ግዜ ንሃገሮም መሰዋእቲ እናገበሩ እዮም።" ኢሎም።
ፖለቲካ ኢትዮዽያ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ኣብዚ ጉዳይ ክፍተታት እናተርኣዮ ከምዝመፀ ዘዘኻኽሩ ዶክተር ኣሰፋ፤ " ብወገን ተቓወምቲ ይኹን ብመንግስቲ ናይ ወፃኢ ፓስፖርት ሒዞም ብፍላጥን ብዘይፍላጥን፤ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክሳተፉ ፀኒሖም እዮም" ኢሎም።
ንሱ ዝፈጠሮ ምትሕውዋስ ክሳብ ሕዚ ክቕፅል ከምዝኸኣለ እምነቶም ይገልፁ። ብፍላይ ግን ኣብ ተቓወምቲ ጎሊሑ ከምዝረኣይ'ውን ይሕብሩ።
"እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምሕረትን ይቕረታን፤ እቶም ውልቀ ሰባት 'ብሰንኪ ስርዓት ደርግ'ዮም ፓስፖርት ካልኦት ሃገራት ወሲዶም' ብዝብል ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ገና ሓቢርና ንርእዮ እዩ ዝኸውን" ክብሉ ሓሳቦም ይዛዝሙ።
እንታይ'ሞ ይገበር?
ኣይተ ሙሼ ሰሙ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ እቶም ካልእ ዜግነት ዘለዎም ትውልደ ኢትዮዽያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ድልየት ክሳብ ዝሃለዎም እቲ ዕድል ክወሃቦምን ዓቕሞምን ገንዘቦምን ኣብ ሃገሮም ንኸውእሉ ክስራሕ ይግባእ።
"እዚ ንክኸውን ድማ ኣብዛ ሃገር ሰላም፣ ምርግጋእን ፍትሕን ክህሉ ይግባእ። ምምሕዳራዊ በደላት ከብቅዑ ኣለዎም። ዜጋታት ሓሳቦም ብናፅነት ዝገልፁሉ፣ ዝውደቡሉን ናብ ዝደለይዎ ሰልፊ ዝሕቆፉሉን ዕድል ክወሃብ ኣለዎ" ክብሉ ይዛረቡ።
"ብርግፅ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ኲናት ኣማራፂ ክኸውን ኣይክእልን።" ዝብሉ ኣይተ ሙሼ፤ ኣማራፅታት ሰላማዊ ቃልሲ ከይዕፀዉ መንግስቲ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣታሓሳሲቦም። ሕጊ፡ ሰብ ስለዝድንግጎ ንምምሕያሹ ዘፅግም ነገር ከምዘይህሉ'ውን ይገልፁ።
ሓጋዚ ፕሮፈየሰር የማነ ዘርኣይ ብወገኖም፤ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዝተጥሓሰ ብሕጋዊ መገዲ ክውዳእ ከምዘለዎ ይኣምኑ።
ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ረብሓታትን ድሕንነትን ህዝቢ ክሕለዉ ከምዝግባእ'ውን ይሕብሩ።
"ጉዳይ ፖለቲካ ኢትዮዽያውያን ናይ ኢትዮዽያውያን እምበር ናይ ወፃእተኛታት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝብታት'ውን ዝትንክፍ ስለዝኾ መንግስቲ ብፅኑዕን ብጥንቃቐን ክርእዮ ኣለዎ" ኢሎም።