ባንግላድሽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝዕምጹ ብሞት ክትቀጽዕ እያ

ባንግላድሽ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ጾታዊ ዓመጽ ብምቅዋም ዝተኻየዱ ሰልፊታት ስዒቡ፡ ዓመጽቲ ብሞት ዝቐጽዕ ሕጊ ከምተውጽእ ገሊጻ፡፡

እቲ ንዓመጽቲ ብሞት ንምቕጻዕ ዝወጸ እማመ፡ ጽባሕ ሰሉስ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ሕጊ ኮይኑ ክጸድቕ ምዃኑ ሚኒስተር ሕጊ ባንግላድሽ ኣንሱል ሓቅ ገሊጹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብጉጅለ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተጋወሐ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ህዝባዊ ቁጠዐ ኣልዒሉ ቀኒዩ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 5,400 ጾታዊ ዓመጻት ከምዝተፈጸመ ተጣባቒ ጉጅለ ገሊጹ፡፡

ኣብታ ሃገር ጾታዊ ዓመጽ ንዝፍጽሙ ሰባት ግቡእ መቕጻዕቲ ከምዘይወሃብን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብቲ ማሕበረሰብ ከይግለላ ብምፍራሕ በደል እንትበጽሐን ናብ ሕጊ ከምዘየመልክታን እዮም ገለ ጎስጎስቲ ዝገልጹ፡፡

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት፡ ቅልጡፍ መስርሕ ፍርዲ ክህሉን ንዓመጸኛታት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክቕየርን ክጠልቡ ቀንዮም፡፡

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክረአ ዝቐነየ ቪዲዮ ዘላ ጓል ኣንስይቲ፡ ብተደጋጋሚ ከምዝተደፈረት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባንግላደሽ ገሊጹ፡፡

እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ 8 መናእሰይ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም እዮም፡፡

ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ሆቴል እታ ሃገር ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማን፡ ብዙሓት ኣባላት ክንፊ መናእሰይ እቲ መሪሕ ውድብ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ አብ ዝተኻየደ ሰልፊታት፡ ሰልፈኛታት፡ ዓመጽቲ ብማሕነቕቲ ክቕጽዑን ርህራሀ ከይግበረሎምን ዝጽውዑ ጭርሖታት ሒዞም ተራእዮም ነይሮም፡፡

ንሕቶ እቶም ሰልፈኛታት ቀጥታዊ መልሲ ብምሃብ እዩ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ዓመጽቲ ብሞት ዝቕጽዑሉ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ዝሸባሸብ ዘሎ፡፡