እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ትግራይ ሓደጋ ዘውርድ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ 'ኣብ ዞባ ማእከል እውን ተራእዩ'
ኣብ ደቡብ ትግራይ: ብፍላይ ኣብ ራይ ጨርጨርን ራይ ኣላማጣን ኣብ ዝፈረየ ምሸላ ዕንወት ዘብፀሐ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ: ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ'ውን ክረአ ጀሚሩ ምህላዉ ይግለጽ።
ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ኣብ ቆላ ተንቤንን ናዕዴርን ከምዝተራኣየ፡ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ'ውን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክረኣይ ምጅማሩ ሓረስቶት ይዛረቡ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ: ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሰንበት ንጉሆ ናብ ራያ ብምኻድ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምክልኻል ተዓዚቦም።
ብኻልእ ገፅ: ንመንፀጊ ክትውዕል ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዓዲጎም ዝለኣኽዋ 'ድሮን' ዛጊድ ናብ ትግራይ ከምዘይበፀሐት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ትግራይ ንዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፡ መናእሰይ ብፍቓዶም እናወፈሩ እዮም ምክልኻል ዝገብሩ ዘለዉ።
እቲ ምክልኻል መብዛሕትኡ፡ ብሓይሊ ሰብ እዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ፡ ኣብ ዓዶም ንዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝውዕል ምትእኽኻብ ሓገዝ ገንዘብ ይገብሩ ኣለዉ።
ወራር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋር፣ ሶማል፣ ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣጋጢሙ ምህላዉ ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር መሬት ኣብ ስግኣት ከምዘሎ'ውን ይግመት።
እዚ ወራር ዕስለ ኣምበጣ፡ ብመጠኑ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ሃስያ የብጽሕ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይኽኢሉ፡ ኣብተን ሃገራት ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር እዩ።
ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል።