ኣብ ዓለም ሕሱም ድኽነት ይዓቢ ከምዘሎ ዓለማዊ ባንክ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ዓለምና ብኮሮናቫይረስ ዝተደፍአ ሕሉፍ ድኽነት ብቕልጡፍ ናህሪ ይዓቢ ከምዘሎ ዓለማዊ ባንክ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ'ዚ ለበዳ ከኣ ኣስታት 115 ሚልዮን ሰባት ናብ ክቱር ድኸነት ክወድቑ ከምዝኽእሉ እቲ ባንክ ይግምት።
ለበዳ ኮሮናቫይረስን፣ ኵናት ከምኡ'ውን ክለማዊ ለውጢ ነቲ ኣንጻር ድኽነት ዝግበር ቃልሲ የዛሕትሎ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ 2021 ቁጽሪ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ናብ 150 ሚልዮን ክዓቢ ከምዝኽእል'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ክቱር ድኽነት ክበሃል እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 1.90 ዶለር ክረክብ እንከሎ እዩ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ፡ ኣብ 2020 መጠን ድኽነት ብ 7.9 ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ህዝቢ ዓለም ካብ 9.1 ክሳብ 9.4 ሚኢታዊት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጽሎ ከምዝኽእል ዓለማዊ ባንኪ ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሃብቲ ናይ ዓለምና ቢልዮነራት፡ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ ይርከብ። ሓለፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጅን ኢንዱስትሪታትን ኣታዊኦም ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይግለጽ።
ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ጸጋ እቶም ኣብ ዓለምና ዝሃብተሙ ሰባት፡ ብ 10.2 ትሪልዮን ዶላር ሓፍ ከምዝበለ ጸብጻባት ስዊዝ ባንክ ይሕብር።
ባንክ ዓለም፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ካብ 3 ሚእታዊ ዘይውሕዱ ሰባት ካብ ህዝቢ ዓለምና ኣብ 2030 ትሕቲ 1.90 ዶላር ኣታዊ ክረኽቡ ዕላማ ገይሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ዕላማ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናይ ፖሊሲ ምቅይያርን ኮሮናቫይረስን ዕላምኡ ዝወቅዕ ኣይመስልን።
ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ እተን ዝያዳ ዝህሰያ ሃገራት ድሮ ኣብ ድኽነት ዝርከባን ማእከላይ እቶት ዘለወንን ሃገራት እየን።
ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ከባቢ 52 ሚልዮን ሰባት ካብ ድኸነት ከምዝወጽኡን፡ እቲ መጠነ ምጉዳል ድኽነት ግን ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነን ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ምስቲ ናይ 1990-2015 ክወዳደር እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝሕቱል ዕብየት ከምዝኾነን፡ ኣብቲ እዋን ድማ ዓለማዊ ድኽነት ኣብ ዓመት ብሓደ ሚእታዊት ይጎድል ከምዝነበረን ይፍለጥ።
ባንክ ዓለም ነዘን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዘላቒ ምዕባለ ንኹሉ ዘካተተ ቁጣባዊ ሕውየት ክገብራ ክሕግዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ዓለማዊ ባንክ፡ ንኣስታት 100 ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ውሑድ ወለድ ዘለዎ 160 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣዳልዩ ከምዘሎ ይገልጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







