ጂያንግሱ፡ ካብ 80 ሚልዮን '17 ጥራሕ' ድኻታት ዘለዋ ግዝኣት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጂያንግሱ ዝተብሃለት ግዝኣት ቻይና፡ ካብ 80 ሚልዮን ህዝባ፡ 17 ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ከምዝርከቡ ገሊጻ።
እታ ግዝኣት ብዝካየደቶ ዕውት ወፍሪ ድኽነት፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሰባት ጥራሕ፡ ትሕቲ እቲ ዘቕመጠቶ ዓመታዊ እቶት 6 ሽሕ ዩዋን (863 ዶላር) ከም ዝረኽቡ ገሊጻ'ላ።
እታ ግዝኣት ዘቐመጠቶ መስመር ድኽነት፡ መዓልታዊ 2.4 ዶላር፡ ካብቲ ባንኪ ዓለም ዘቐመጦ መዓልታዊ መጠን 1.9 ዶላር ኣታዊ፡ ዝዛየደ እዩ።
እንተኾነ ንሓበሬታ እታ ግዝኣት፡ ''ኣይኣምንን፡ ኣብታ ግዝኣት ስራሕ ዘይብሎም ሰባት የለዉን? ለመንቲ የለዉን?'' ዝብል ርእይቶታት ኣይተስኣኑን።
ድኽነት ምጥፋእ ካብቶም ዝዓበዩ ሕልምታት መንግስቲ ቻይና ኮይኑ፡ ካብ ግዝኣታት ቻይና ንጂያንግሱ ብሃብቲ እትበልጻ ግዝኣት ጓንግዶንግ ጥራሕ እያ።
ኣብ 2019 ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ግዝኣት ጂያንግሱ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ 2.54 ሚልዮን ህዝባ ካብ ድኽነት ተናጊፎም እዮም።
እታ ኣብ 2020 ድኽነት ንምጥፋእ ዓሊማ ዝነበረት ግዝኣት፡ ካብቶም 17 ድኻታት እቶም 13 ክሰርሑ ከምዝኽእሉን እቶም ኣርባዕተ ጥራሕ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘለዎምን ሓቢራ።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግን እታ ግዝኣት ዝሃበቶ ንጹር ቁጽራዊ ሓበሬታ፡ ዝተውሓጠሎም ኣይመስልን።
ቁጠባ ቻይና እናዓበየ'ኳ እንተመጸ፡ ኣብታ ሃገር ድኽነት መሊኡ ከምዘይተቐረፈን ቁጠባዊ ፍልልያት ይዓቢ ከምዘሎን ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







