ዓለም-ለኸ መዓልቲ ህጻናት፡ ምኽባር እዛ መዓልቲ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?

"ሕጻናት ፍቕሪ እዮም። ህጻናት ብጹኣት እዮም። ህጻናት ደስታ እዮም" ትብል፡ ኣብ ትሑት ዝእቶቱ ስድራ ደቃ አዕብያን ኣመርዕያን ደቂ-ደቃ ክትርኢ ዝበቕዐት፡ ምስ ህጻናት ብዘለዋ ልዑል ፍቕርን ተገዳስነትን እትልለ ምልእተ።
ምልእተ ቖልዑ ጎረባብቲ ኣኪባ ፍቕሪ እተስተምህር፡ ኣዴታት በቲ ዝርካበን ትሕዝቶ ብኸመይ ንደቀን ክኣልያን ክናብያን ከምዘለወን ካብ ተመኩሮኣን ዘንበበቶ መጻሕፍትን ወለንታዊ ምኽርን ሕውነታዊ ኣስተምህሮን ትህብ።
"ሕጻናት ፍቕርን ብርሃንን መጻኢ ስለዝኾኑ ክፍቀሩን ክሕብሓቡን ይግባእ" ብምባል፡ ንህሉው ኩነታት ኣልያን ናብዮትን ሕጻናት ብምስትንታን፤ "ሕጻናት ዓለምና ግን ከመይ ኣለው?" ዝብል ሕቶ ተቐምጥ።
ነቶም ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ብሰንኪ ኩናትን ግጭትን ዝሳቐዩ ዘለው ህጻናት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሚልዮናት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ትገልጽ።
ህጻናትን ድኽነትን
ሎሚ ኣስታት ዳርጋ ፍርቂ ብዝሒ ዓለም (ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት) ብትሕቲ 2.50 ዶላር ንመዓልቲ እዮም ዝነብሩ። ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ከኣ 1.25 ዶላር መዓልታዊ እቶት ኣብ ሕሱም ድኽነት ይነብሩ።
ሓደ ቢልዮን ሕጻናት ዓለም ከኣ ኣብ ፍጹም ድኽነት ይነብሩ። ብሰንኪ እዚ 22,000 ሕጻናት ብድኽነት ከምዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የረድእ።
ባህሪያዊ ነገር ስለዝኾነ፡ ኣብ ዓለም ንውልዱ ሰናይን ጽቡቕን ዘይምነየሉ ወላዲ የሎን። ብፍላይ እታ ዒሕ-ፍንጭሕ ኢላ ዝወለደት፡ ኣፋ ገዲፋ ንውላዳን ደቃን እትዕንግል ኣደ።
"ኣደ ንህጻናት ዘለዋ ፍቕርን ሓልዮትን ብኸመይ ክዕቀን ይኽእል? ትብል ዶክተር ኣስያ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዕላል ዓለማዊ መዓልቲ ሕጻናት።
ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ልዕሊ ዓቕሚ ድኻታት ስድራታት፣ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ፈኮስቲ ሕማማት፣ ጉደለት ንጽህና ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ጉድለት መኣዛታት፣ ኩናትን ግጭትን ኣበየ ክፍለ ዓለሙ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም መዓልታዊ ኣሻሓት ሕጻናት እዮም ዝሞቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዑቁድ ኣብ ዜጋታት ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ፡ ዜጋታት ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን ኣብ ደቆምን ነብሶምን ዘጋጠመ ሞትን ግፍዕን ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓዘን ዝዝከሮ ፍጻሜ ምዃኑ ትገልጽ ዶክተር ኣስያ።

ምንጪ ስእሊ, HAZEM BADER
"ኣብ ጉዕዞ ስደተን ካብ ሸፋቱ ሊብያን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ብዓመጽ ድቂ ኣትሪፈን፡ ወትሩ ስቓየን ዘዘኻኽሩዎን ኣቦ ዘይብሎም ቖልዑ ወሊደን ኣብ ጭንቀትን ስቓይን ዝነብራ ኣዴታትን ደቀንን ኣብዛ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐጻሊ ክንዝክሮም ክንሓስቦም ይግባእ" ክትብል ትዛረብ።
ቦዅሪ ውላዱ ክትውለድ እንከላ ዝተሰመዖ ሓጎስ መዐቀኒ ከምዘይነበሮ ዝዛረብ መንእሰይ በዓል ሓዳር ኣኽሊሉ ጸጋይ፡ ክቱር ፍቕሪ ሕጻን ስለዝነበሮ፡ ምስተመርዓወ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀልጢፎም ክወልዱ እዮም ተሰማሚዖም።
ሎሚ በዅሪ ጓሎም ንፍቕሮም ፍቕሪ ወሲኻትሉ፡ ንህይወቶም ከኣ ፍሉይ መቐረት ሂባቶ ትርከብ። መብዛሕቱ ግዜ ብኣባታዊ ስርዓት ዝመሓደር ሕብረተሰብ ወዲ ክብኮርን ኣወዳት ክወልድን እዩ ዝፈቱ፤ ኣኽሊሉ ግን ጓል ብምብኳሩ ፍሉይ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ እዩ ዝገልጽ።
ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ከኣ "በዅሪ ገዛና እተርእየና ዝነበረት ሓልዮትን ክንክንን ስለዘስተማቕሮ ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል።
መነብሮን ህይወትን ሕጻናት ዓለም ተመሓይሹ፡ ሕጻናት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጽረት ብፍቕሪ፣ ሓልዮትን ክንክንን ንኪዓብዩ ዝምነ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ ካሕሳይ ተወልደብርሃን እውን ነዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላላየ መዋእለ ሕጻናትን ኣብ ሜድያን ክትበዓልን ክትዝከርን ይርኢ ምንባሩ እንተኾነ ድሕሪ ስደት ዋላ እውን ሰለስተ ቖልዑ እንተወለደ ዘኪሩዋ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ።
ዳርጋ ኩለን ስድራቤታት ዓለምና ምስ ደቀን ኣብ ናብዮቶምን ሓልዮቶምን መዓልታዊ ስለዘለዋ፡ ንዓለማዊ መዓለቲ ህጻናት ዝዝክራ ውሑዳት እየን ክኾና ዝኽእላ። ካሕሳይ ይኹን ኣኽሊሉ እውን እዛ ዕለት መዓልቲ ሕጻናት ምዃና ዘይምዝካሮም ኣይሓብኡን።
"መዓልታዊ ምሳኻ ንዝነብር ሕጻንከ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ትበዓል ዓለማዊ መዓልቲ ትደልየሉ። መዓልቲ ሕጻናትሲ ኣብ ዓመት? ኣብ ወወርሑ እኳ ክውሕድ!" ክትብል ምልእተ ርእይቶኣ ተስፍር።
ኣኽሊሉ ጸጋይ ብወገኑ፡ "ህጻናት ምስ ወላዲ ኩሉ ግዜ ኣለው። ወደይ ወይ ጓለይ ኢልካ ኣብ ዓመት ሓንቲ ጊዜ ኣይኮንካን ትዝክር።
"እዛ መዓልቲ እዚኣ ግን ዕላምኣን ብመሰረታውነት ዝሓዘቶ ሸቶን፡ ከም ዝመስለኒ ነቶም ወላዲ ዘይብሎም፡ ነቶም ብዙሕ ጸገማት ተሰኪሞም ክንሶም ብዙሕ ሰብ ከይተገንዘበሎም፡ ነቲ ጸገማቶም ከይረኣየሎም፡ ነዛ ዓለምዚኣ ዝሓልፉዋ ዘለው ህጻናት ክረኽብዎ ዝግባእ ክንክን፡ ሓልዮት፡ ግንዛበ ንምፍጣርን ንምንቅቓሕን እዩ" ይብል።
ኩሎም ሕጻናት ብሰላም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይሓልፉ ኣለው ማለት ኣይኮነን። ብዂናት ኣብ ዝተሓመሳ ሃገራት ግዳያት ዝኾኑ፡ ሞት መቑሰልቲ ዘጋጥሞም ህጻናት፡ ቁጽሮም እዚ'ዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣይከኣልን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Barcroft Media
ንሶርያ ከም ኣብነት ዝጠቅስ ኣክሊሉ፡ "ሕጂ ኢትዮጵያ ዘላቶ ኩነተታት ምርኣይ እውን ሓደ ግንዛበ ክህብ ይኸእል እዩ። ብዙሓት ህጻናት ግዳይ ኮይኖም እዮም" ይብል ነቲ ኣብ ሕጻናት ዝወርድ ግፍዕን መከራን እናስካሕከሖ።
ካሕሳይ እውን ብወገኑ፡ ኣብ ሚድያታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወርድ በደል ምርኣይ ከምዘሕዝኖ ብምግላጽ፡ "ንደቀይ ኣብቲ ንኻልኦት ሕጻናት ዝወርዶም ግፍዒ አእትየ ክርእዮ ዝፍትን" ብምባል ከም ፍጡር ሰብን ከም ወላድን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን በደል ይኹንን።
ሕጻናት እቶም ናብ ዓለም ዘምጽኡዎም ስድራቤታት ብዝውስንዎ ውሳነ ምንም ኣብ ዘይፈልጥዎን ኢድ ኣብ ዘይሕውሱሉን ነገር ግዳያት ክኾኑ ምርኣይ ከኣ ብልቢ ከምዘሕዝኖ ይዛረብ።
ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣትሒዙ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመነባብሮን ጥዕናን ሕጻናት ንምምሕያሽ ብሓባር መታን ክሰርሕ ን20 ሕዳር ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ክትዝከርን ክትክበርን ወሲኑ ካብ 1989 ክሳብ ሎሚ ዓመት መጽአ የብዕላ ኣሎ።
ንመጻኢ እውን ካብዚ ሕጂ ዝበዓል ዝዝከርን ዝኽበርን ዘሎ ብዝሓሸን ብዝሰፍሐን ኣገባብ ክበዓል ትጽቢት ይግበር።
ኣብዛ ዕለት፡ ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ሕቡራት ሃገራት፡ ፖሊሲ ዝሕንጽጹን ዝኽልሱን ኣካላት መንግስቲ፡ ግዱሳት ኣህጉራውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ኣብያተ ትምህርትን መዋዕለ ሕጻናትን ስነ-ጥበባውያን ደረስቲ ጸሓፍቲ ዘየምቲ ገጠምቲ ኩሎም ብዛዕባ ሕጻናት ይጽሕፉን ይዛረቡን።
ካብ ፈቐዶ ሃገራት ቀዳማይ ዓለምን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ብሞያውያን ዝተኻየደ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ከም መበገስን መገምገምን ንጥፈታት ብምቕራብ ኣብ ኣልያን መሰልን ሕጻናት ንቕሓት ዘዕቢ መደባት ከምዘካይዱ ትካል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሕጻናት የረድእ።
እዚ እቲ መንግስታዊ ኣካላትን ዓበይቲ ትካላትን ብደረጃ ፖሊሲን ካልእን ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ክኸውን እንከሎ፡ ንኣልያ ሕጻናት ብዝምልከት ግን ነብሲ ወከፍ ስድራ ዓቕማ ብዘፍቅዶ ደቃ ከም እትኣልን ከም እትሕብሕብን ርዱእ እዩ ትብል ዶክተር ኣስያ።
ኣክሊሉ ጸጋይ እውን፡ ዝኾነ ወላዲ ነቲ ኣብ ዕቤቱ ዝጎደሎ ነገር ደቁ ክጎድሎም ኣይደልን እዩ። ስለዝኾነ ጓሉን ብዝሓሸ መልክዑ ዝሓሸ ህይወት መታን ክትነብር ዝሓሸ መጻኢ ክህልዋ መሰረት ከትሕዛን፡ ብሞራልን መንፈስን ሓብሒቡ ንመጻኢ ህይወታ ከውሕሰላ ዝኽእል ዓቕሙ ዘፍቅዶ ዘበለ ነገር ክገብር ድሉው ምዃኑ ይዛረብ።
ካሕሳይ ምልእተ ኮነት ዶክተር ኣስያ ኩሎም እቲ ኩሉ ጠጥዑሙ ዝበሃል ዓለማዊ ጭርሖ ብግብሪ ክረጋገጽን ክትግበርን ብምጽዋዕ ኣብዛ ኩሉ ወላዲ ኮነ መንእሰይ ብዛዕባ እቶም ዕምበባን መጻእን ዓለምና ሕጻናት ክሓስብን ንጽቡቖም ክሰርሕን ተላብዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







