ጋያና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለምና እታ ዝሃብተመት ሃገር ክትኸውን'ዶ ትኸውን?

ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብድኽነታ ኣብ ካልኣይ እትስራዕ ሃገር - ጋያና፡ ናብ መስርዕ ሃብታማት ሃገራት ከሰጋግራን ልዕሊ ኩሉ ክገብራን ዝኽእል ዝለዓለ መጠን ነዳዲ ረኺባላ።
ይኹን ደኣ'ምበር ነቲ ብሰንኪ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ነዳዲ ዝፍጠር ቅልውላው ('መርገም ነዳዲ') ከይተሳጥሐት ንዜጋታታ ናብ ሃብቲ ክተሰጋግር'ዶ ትኽእል?
ኣብ ሪፐብሊክ ጋያና፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ፔሪ ሃሎወይ "ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ሰባት [እቲ ዝተረኸበ ነዳዲ] ክሳብ ክንደይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ኣይፈልጡን" ክብል ይዛረብ።
"ኣብ 2020፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ (ጂዲፒ) ካብ 300 ክሳብ 1,000 ሚኢታዊት ክዓብይ ይኽእል። እዚ ድማ ብጣዕሚ ገዚፍ'ዩ። ሃብታም ሃገር ምናልባት'ውን ናይ ዓለምና እታ ዝሃብተመት ሃገር ክትኾኑ ኢኹም" ኢሉ።
ዘይጭበጥ'ኳ እንተመሰለ፡ እታ ኣስታት 750,000 ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ መጠን ሃብታ ሰማይ ክዓርግ ይግመት።
ኢክሶን ሞቢል ዝተበሃለ ትካል ልዕሊ 5.5 ቢልዮን በርሚል ነዳዲ ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ'ሎ።
'መርገም ነዳዲ'
ካብቲ ነዳዲ ዝርከብ ገንዘብ፡ ነታ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እንኮ ተዛራቢት እንግሊዝኛን ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረትን ሃገር፡ ፀጋ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።
ብድኽነተን ሽቕሊ ኣልቦነትን ዝተሃሰየት ሃገር'ያ።
ይኹን'ምበር፤ እቲ ምስ ሃብቲ ነዳዲ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዓለምና ነዛ ሃገር ከቢድ መጠንቀቕታ ዘሕልፍ'ዩ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዝርከብ ነዳዲ፤ ንብልሽውና፣ ስርቂን ካልኦት ሓደጋታትን ተሰኪሙ ዝመፅእ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ድማ 'መርገም ነዳዲ' ተባሂሉ ይፍለጥ።

ተወሰኽቲ ዛዕባታት

ኣብ ሓደ ዓለማዊ ትካል ፀረ-ብልሽውና ዝሰርሕ ትሮይ ቶማስ፤ ነቲ ኣብ ጋያና ዘሎ "ብልሽውና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ" ክብል ይገልፆ።
ንሱ፤ 'ኣዝዩ ከምዘሕስቦ' እዩ ዝዛረብ። ኣብ ቀረባ እዋን ክረኣዩ ዝጀመሩ ገለ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት'ውን፡ ከም ገለ ተርእዮታት ናይቲ 'መርገም' ገይሩ እዩ ዝቖፅሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ 'ናይ እምነት ምስኣን ድምጺ' (ኖ ኮንፊደንስ-ቮት) ተኻይዱ፤ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ልፍንቲ ተሳዒሩ እዩ።
ሽዑ ድማ ኣብ ክንዲ መረፃ ምክያድ፡ ነቲ ዝተውሃበ ድምፂ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ክቓወሞ መሪፁ። በዚ ምኽንያት ድማ ተቓውሞታት ክስምዑ ጀሚሮም።
"ናብ መንግስቲ ነቕርቦ ዘለና ሕቶ፡ ሕገ-መንግስቲ ይከበር ዝብል'ዩ" ክትብል ሓንቲ ተቓዋሚት ርእይቶኣ ሂባ።
"ኣብ ስልጣኖም ጸኒሖም፡ ንገንዘብ ሃብቲ ነዳዲ ክቆፃፀሩ እዮም ዝደልዩ" ክትብል እውን ሓሳባ ትገልፅ።
እቲ ሕጋዊ መስርሕ ቤት ፍርዲ ቀጺሉ'ሎ።
ትኹረት ኣብ ትምህርቲ!
"ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ተሞክሮ ርኢና ኢና" ዝብል ሓላፊ ኤጀንሲ ሓላዋ ኸባቢ እታ ሃገር ቪንሰንት ኣዳምስ፡ ዝለዓለ ሃብቲ ነዳዲ ዘለወን ካልኦት ሃገራት ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከም ዘሳጥሐን ይዛረብ።

ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ማሕለኻ ከወግድ ዝክእል ሓደ መገዲ "ትምህርቲ፣ ትምህርቲ'ዩ። ትምህርቲ መሰረት ኩሉ ነገር'ዩ። ኣብዛ ሃገር ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝለዓለ ምውፋር ዘድልዮ ዓውዲ'ዩ" ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሓደ ኮሌጅ ዲን ዝኾነት ኢለና ትሪም፡ ኣብ ፕሮግራም ምህንድስና ነዳዲ (ፔትሮልየም) ትኹረት ዝገብር ቤተ-ፈተነ ከምዘየለ'ያ ትገልፅ።
"መሃያና'ውን ዝለዓለ ኣይኮነን፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋያና ንምስራሕ ዘመልክቱ ሰባት መጠን መሃያ ክነፍልጦም ከለና ከይተሰማምዑ ይተርፉ" ክትብል ብምረት ትዛረብ።
ኢንዳስትሪ ነዳዲ እታ ሃገር፡ ካብቲ ንሳ እተምህረሉን ትመርሓሉን ጨንፈር ትምህርቲ ብኻልእ ዓውዲ ምህንድስና ዝተመረቑ ተመሃሮ ተሻምዩ ከም ዝወስዶም'ውን ሓቢራ።
ሶፍያ ኣብ ዝተበሃለት ጥቓ ከተማ ጆርጅ ታውን - ጋያና እትርከብ ከባቢ፡ ብዙሕ ተስፋን እምነትን ኣይረኣይን። ገለ መንበሪ ገዛውትን ኣጉዶታትን ቀረብ ኤሌክትሪክን ዝርግሐ ማይን ረኺበን ኣለዋ።
ብኻልእ መዳያት ግን ተረባሕነት ነበርቲ እቲ ኸባቢ ዝደኸመ ከም ዝኾነ ይግለፅ።

እዚ ድማ ካብቲ ዝተረኸበ ሃብቲ ነዳዲ ኩሉ ክርባሕ ተስፋ ከም ዘይብሉ ዘርእይ ምልክት'ዩ።
"ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ ተኣፋፊ'ዩ። ካብ ኣወንታታት እቲ ሃብቲ፡ ኣሉታታት ዝዓዘዙ እዮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ብምኽንያት እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ'ዩ። ብዛዕባ ኣብ ጊኒን ናይጀርያን ዝተፈጠረ ዝፍለጥ'ዩ።" ይብል ኮሊን ማርክ ዝተበሃለ ነባሪ ሶፍያ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታታት ዘለዉ ህዝቢ፡ ካብ ሃብቲ ነዳዲ ገንዘብ ከም ዝርከብ [ብጭቡጥ] ክርእዩ ይደልዩ። ብፅሒትና ክንረክብ ንደልይ ኢና። ተረባሕቲ ክንኸውን ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







