ትግራይ፡ ገለ ኣብ ፌደራል ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ህወሓት ናብ ውድቦም 'ሪፖርት' ገይሮም

ቅድሚ መዓልታት፡ ኣብ መንግስቲ ፌደራል ስልጣንን ሓላፍነትን ዝነበሮም ኣባላት ህወሓት፡ መዝነቶም ገዲፎም ናብ ውድቦም 'ሪፖርት' ክገብሩ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣዚዙ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ፃውዒት፡ ንህወሓት ወኪሎም ኣብ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዝነበሩ፡ ገለ ኣባላት ናይ’ቲ ውድብ ናብ ትግራይ ብምምፃእ ሪፖርት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ካብኣቶም፤ ብማዕረግ ሚኒስቴር ዲኤታ ናይ ፌዴራል ሕግን ፍትሕን ምርምርን ስልጠናን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ተስፋኣለም ይሕደጎ፡ ብመሰረት እቲ ውሳነ: ንቤት ጽሕፈት ህወሓት ሪፖርት ከምዝገበሩ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ከምኡ'ውን ብማዕረግ ሚኒስቴር ናይ ፖሊሲ መፅናዕቲን ምርምርን ዋና ዳይሬክተር ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ (ዶ/ር)፣ ሚኒስቴር ዲኤታ መጓዓዝያን መንገድን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዝኣብሄር ከምኡ ድማ ተፀዋዒ ሚኒስቴር ዲኤታ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ገብረእግዝኣብሄር ኣርኣያ፡ ኣብ መቐለ ይርከቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ዝነበሩ ኣባላት ህወሓት እውን ይምለሱ ምህላዎም ሓበሬታታት ይገልፁ።

ህወሓት እንታይ ኢሉ ነይሩ?

እቲ ብሰኑይ ዝተጽሓፈን፡ ብስም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ዝወጸን መጸዋዕታ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ "ዘይሕገመንግስታዊ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ መዝነት ፌደራል መንግስቲ ዝጸንሑ ኣባላት ህወሓት ናብ ውድቦም ሪፖርት ክገብሩ ዝጽውዕ እዩ።

"መንግስቲ ፌደራል ዘይሕገመንግስታዊ ምንዋሕ ስልጣን ምክያዱ ስዒቡ ህወሓት ኣካል እቲ ከምዚ ዝበለ ዘይሕገ መንግስታዊ ተግባር ስለዘይኮነ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ (25 መስከረም 2013 ዓ/ም) ጀሚሩ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ብምረፃ ዝተትሓዙ ሓላፍነት ዝነበረኩም ደው ኣቢልኩም ናብ ውድብኩም ህወሓት ሪፖርት ንኽትገብሩ ነተሓሳስብ" ይብል።

ጻዊዒት ዝቐረበሎም መነ መን እዮም?

እቲ መጸዋዕታ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌደራል፡ ንህወሓት ወኪሎም ክሰርሑ ዝጸንሑን፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩን ይምልከት።

ን 40 ሰባት ድማ፡ ስሞም ተጸሪሑ መጸዋዕታ ቀሪቡሎም እዩ።

ካብኣቶም፤ ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ፡ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ባሌማ፡ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱን ወ/ሮ ሮማን ገብረስላሴን ይርከብዎም።