"ኣብ ትግራይ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ዓሊቡ" - ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን

ኣብ ክልል ትግራይ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ዕስለ ኣምበጣ ከምዝተረኣየ፡ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ምኪኤለ ምሩፅ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነቲ ኣብ ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን ኣቐዲሙ ዓሪፉ ዝነበረን እንቋቑሖ ምጭጫሕ ዝጀመረን ዕስለ ምክልኻል ከምዝተኻኣለ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ትማሊ ግን ኣብ ራያ ጨርጨርን ኣብ ወጀራት ዓዲቀይሕን ሓያል ዕስለ ብፍላይ ኣብ ሕዛእቲ ከምዝዓለበ ኣይተ ምክኤለ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣብ ሕዛእቲ ስለዝዓለበ: ናብ ዘራእቲ ከይኣቱ ብምክልኻልን ናብ ዝምቹእ ቦታ ክዓልብ ብምግባርን ከሚካል ንምንፃግ ይስራሕ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብቲ ወፍሪ ምብራር እቶም ኣንበጣ በረኻ ብወለንተኛታት መናእሰይ ትግራይ ዝግበር ምርብራብ'ውን ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ እቲ ዕስለ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ስለዝኣተወ: ኣብ ትግራይ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ህዝቢ ምስ ክኢላታት ተሓጋጊዙ ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ክወፍር ድማ ፀዊዑ።

ካብ ራያ ንቢቢሲ ርእይትኡ ዝሃበ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣይተ ሞላ ኣማረ: "ኣብ መንጎ ራያ ዓዘቦን ኣላማጣን: ሰለን ውሃ ክሳብ ሕብረት ዝበሃል ከባቢ: ብፍላይ ኣብ ኣግራባት ብብዝሒ ዓሊቡ'ሎ" እንትብል ሓቢሩ።