ዕርቂ እንደርታ: ብሉፅ ሃገር በቆል ስርዓት ዕርቂ ኮይኑ ተሓርዩ

ዕርቂ እንደርታ፡ ኮምሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር፡ ብሉፅ ሃገር በቆል ስርዓት ዕርቂ ኮይኑ ተሓርዩ፡፡

እቲ ኮምሽን ብደረጃ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ውድድር 1,166 መናእሰይ ቀሪቦም ነይሮም።

ካብዚኦም 360 መናእሰይ ተፃርዮም ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፎም። እቲ ውድድር ብውልቀን ብጉጅለን እዩ ተኻይዱ።

ካብቶም ካብ ትግራይ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ተወዳደርቲ: ዕርቂ እንደርታ ሒዙ ብውልቅኡ ዝቐረበ መለስ ሰለሞን ተዓዊቱ።

ብደረጃ ሃገር ድማ: ካብተን ዝተሓረያን ኣፍልጦን ዝረኻባን 25 ስርዓታት ዕርቂ: ዕርቂ እንደርታ ተመሪፃ።

ብተወሳኺ ካብተን ዝበለፃ ተባሂለን ናብ ዘተ ክቐርባ ዝተሓረያ 5 ብሉፃት ስርዓታት ዕርቂ: ዕርቂ እንደርታ ብቐዳምነት ከምዝተመረፀት መለስ ሰለሞን ገሊፁ።

"ዕርቂ እንደርታ ሓደ ካብቶም ሃገር በቆል ስርዓታት ዕርቂ ኮይኑ: እሞ ድማ ዘላቒ ፍታሕ: ሰላም: ምትሕብባርን ሓድነትን ከምፅእ ዝኽእል ስርዓታት ከምዝኾነ ተኣሚንሉ: ማሕበር ልምዓት እንደርታ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ" ይብል።

ዕርቂ እንደርታ ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ክፈልጥዎ ብምግባር ከም ትግራይ ዓብዪ ሽልማት ከምዝተረኸበ መለስ ይገልፅ።

ዕርቂ እንደርታ: ኣብ መንጎ ትግራይን ዓፋርን ኣጋጢሙ ንዝነበረ 'ወራር ጋዝ' ብዝብል ዝፍለጥ ልማዳዊ ወራር ኣብ ምእላይ: መራሒ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ዝነበሩ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ዝተጠቐምሉ ብሉፅ መፍትሒ ጎንፂ ከምዝኾነ ኣብ ታሪክ ይዝከር።

"ኣብቲ ብልሙድ 'ወራር ጋዝ' እናተባሃለ ዝፅዋዕ ጎንፂ: ምስ ዓፋር ኣብ ዝዋሰን ደጉዓ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት ናብ ዓፋር ብምኻድ ሓደጋ የውርዱ: ካልእ እዋን ድማ ብተመሳሳሊ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሕነ ይፈድዩ:: ብኸምዚ ህዝቢ ንህዝቢ ዝጎዳደአሉ ግጉይ ልማዳዊ ጎንፂ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ብሳላ ዕርቂ እንደርታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከምዘይፍፀም ክሃድእ ከምዝኻኣለ ድርሳነ ታሪኽ ይሕብሩ" ብምባል መለስ ኣብ መጽናዕቱ ይገልፅ።