እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፡ “ታሪኽና ባዕልና ክንጽሕፎ ይግብኣና”
ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሳቲፉ ድሕሪ ለውጢ ትምህርቱ ቐጺሉ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ምሁር እዩ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ብትግርኛ “ብዝሓለፈ ኣይንጸባጸብ” ብዝብል ክትትርጎም እትኽእል፡ (LAYING THE PAST TO REST) ዘርእስታ፡ ህወሓት ካብ እትፍጠር ኣትሒዛ ክሳብ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ 2012 ብሞት ዝሰናበት እተጠቓልል ድሮ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ጸሓፍትን ትካላትን ርእይቶታቶም ዝገልጹላ ዘለው መጽሓፍ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ዶክተር ሙሉጌታ ኣቕሪቡዎ ዘሎ መጽሓፍ፡ ነቲ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ደርግ ንዝቐጸለ ጉዕዞ ዝምልእን ንዝጸንሐ ሃጓፋት ዝዓብስን ኮይኑ፡ ብፍላይ ንታሪኽ ህወሓት/ኢህአዴግ ከም መወከሲ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ዶክ. ሙሉጌታ ህድእ ኢሊ ዝዛረብ፡ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ንዝቐርበሉ ነቐፌታ ብኣዎንታ ዝቕበል ኣብቲ ዘልዓሎ ዛዕባን ኣርእስትን ዓሚቚ ፍልጠት ዘለዎ እዩ።
ዶክተር ሙሉጌታ ስለምንታይ ነታ መጽሓፍ ክጽሕፋ ከምዝሓሰበ ክዛረብ እንከሎ፡
“ኣነ ካብ ፖለቲካ ዓለም ህወሓት/ኢህአዴግ ካብ ዝገላገል ሓያል ገይረ እየ። ነቲ ወድብ ብ 2002 ኢየ ገዲፈዮ። ምኽንያቱ እቲ ብ2000 ዝረአኹዎ ኣካይዳ ሰልፊ ኣንፈቱ ኣየቕሰነንን። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ታሪኽ’ቲ ታሪኸይ’ዩ። ብርክት ዝበሉ ኣህጕራውያን ጸሓፍቲ ናይ ባዕሎም ገምጋም ብምሃብ ‘ከምዚ’ዮም ነይሮም፡ ከምቲ’ ክብሉ እንከለው የጕህየኒ። እንሆ ኸኣ በቲ ዘሕለፍክዎን ዝረኣኽዎን በዛ መጽሓፍ ኣቢለ እምስክር።
“ንዓይ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ኣካደምያዊ ተገዳስነተይ ዝተመርኰሰት ጥራይ ዘይኰነትስ እቶም ንእስነቶም ንቃልሲ ዘወፈዩ ብጾተይ ዛንትኦም ንከዘንትወሎም ጉቡኤይ ስለ ዝዀነ’ዩ ጽሒፈያ” ይብል ሙሉጌታ።
ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት መን’ዩ?
ዶክተር ሙሉጌታ ካብ ሸውዓተ ቈላዑ ዘሎዎ ስድራ-ቤት’ዩ ተወሊዶ፣ ንሱ ሻብዓይ ቈልዓ ምዃኑ’ዩ። ኣብ መቐለ’ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ኣብ መፋርቕ 70’ታት ንዓቢ ሓዉ ብምስዓብ ኣብ ህወሓት ተጸንቢሩ።
“ኣብ ሜዳ ዝወጻእኽሉ ምኽንያት” ይብል ዶክ. ሙሉጌታ፡ “ዘቤታዊ ኵነታት ሃገር ሕማቕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ለውጥታት ንክተኣታተዉ ዉዕዉዓት ስምዒታትን ድፍኢታትን ሰፊኖም ስለ ዝነበሩ፡ ብኣህጕራዊ ሸነኹ ክርአ ኸሎ ድማ ምሹው ኵነታት ስለ ዝተፈጥረ ንሕና ድማ ንረብሓታት ናይቲ ኣያ ዘይነበሮ ድኻ ህዝብና ክንረድእን ረብሓታቱ ክንዉክልን ተበገስና” ክብል ብ23 መስከረም ናይዚ ዓመት ምስ ታፍትስ ዩኒቨርሲቲ ዘካየደፎ ቃለ-መጠይቕ ይገልጽ።
“ደርጊ ‘ኢትዮጵያ-ትቕደም’ ብዝብል ጭርሖኡ ንመሰላትና ብጽኑዕ ስለ ዝመከቶ ብብረት ንክንገጥሞ እምበር ካልእ ምርጫ ኣይነበረናን” ኢሉ ነቲ ብሰብዓታት ዝነበረ ኵነታት ይገልጾ።
ስለዚ፡ ዶክተር ሙሉጌታ ነባር-ተጋዳላይ ህወሓት ኰይኑ ን 16 ዓመታት ዝተቓለሰ፡ ጸኒሑ ድማ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኰይኑ ልዑል ተራ ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ብድሕሪ ገድሊ ከም ተመራማሪ፡ ክኢላ ‘ሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
እዚ ኣቕሪቡዎ ዘሎ መጽሓፍ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ምትእስሳር ጥራይ ዘይኰነስ ነቐፌታዊ ትንተና ዝሓዘለ መጽሓፍ’ዩ። ህውሓት ከመይ ኢሉ ብረታዊ ቃልሱ ብፈለማ ሰብዓታት ከም ዝጀመረ፡ ኣብ ሜዳ ትግራይ ድማ ነቲ ቃልሲ ንምሕያል እንታይ ከም ዝተኻየደ ብሰፊሑ ገሊጹዎ ኣሎ።
ዶክተር ሙሉጌታ ህውሓት/ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ክሳብ 2010 ኣብ ከም ምንካይ ኣጽዋር፡ ምስንባት ወተሃደራትን ተጋደልትን፡ እቶም ዝተሰናበቱ ድማ ናብ ንቡር ንምምላሶም ዝዓለመ መደባት ብምምራሕን ነቲ መደብ ኣብ መፈጸምትኡ ብምብጻሕን ኣገልጊሉ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት መግስቲ’ውን ሰሪሑ’ዩ።
ዶክተር ሙሉጌታ፡ መስራትን ዳይረክተርን ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ድርጅት መጽናዕቲ ሰላምን ጸጥታን ኢዩ። በቲ ዛዕባ’ቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ይምህር’ዩ። ብተወሳኺ፡ ገዲም-መዘና ናይቲ ኣብ ፍለቸር ዩኒቨርሲቲ (ቦስቶን - ሕ.መ.ኣ.) ዝርከብ ‘ኣህጕራዊ ናይ ሰላም ድርጅት’ ኰይኑ “ኣፍሪቃዊ ፕሮጀክት/ኣፍሪቃዊ ሰላም” ዝበሃል መደብ መሪሑ።
ንተዘክሮ ብጾቱ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ
እቲ መጽሓፍ ንመዘከርታ ናይ’ቲ 50,000 ዝበልዐ ቃልሲ፡ ብፍላይ ድማ ንይኵኖኣምላኽ ገብረሚካኤልን ክንፈ ገብረመድህንን ከም ዝተጻሕፈ ደራሲ ይሕብር ... ከምኡ’ውን እቶም ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ኣብቲ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ብህይወቶም ዝኣተዉ ተጋደልቲ፡ ይዝክሮም’ዩ።
ደራሲ፡ ይኵኖኣምላኽ ዓርኩን መታዓብይቱን ከም ዝነበረ፣ ብሓደ ከም ዝተሰለፉ፣ ኣብ ሰለስተ ወርሑ ድማ ከም ዝተሰውአ ይነግር።
ድሕሪ መስዋእቲ ይኵኖኣምላኽ ደራሲ ምስ ክንፈ ኣብ ቃልሲ ከሎዉ ተዓራረኸ። ቃልሲ ምስ ተወድአ እውን ዕርክነቶም ቀጸለ። እንተዀነ ግን ክንፈ ብ 2002 ብሰብ ተቐትለ።
ክልቲኣቶም፡ ይኵኖኣምላኽን ክንፈን፡ መቓልስቱ ጥራይ ዘይኰኑስ ሕልፍ ዝበሉ ብጾቱን መማኽርቱን ምንባሮም ብኣስተንትኖ ይዝክሮም።
“እዚ መጽሓፍ ክጽሕፍ ከሎኹ” ይብል ዶክተር ሙሉጌታ፡ “ይኵኖኣምላኽን ክንፈን፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብሓሳብ ምሳይ ነይሮም’ዮም ይብል።”
ናብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ክንምለስ፡ እቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኣ በዞም ሓረጋት’ዚኦም ክንገልጾ ንኽእል ...
“እቲ ኣብ በረኻታት ዝተጀመረ ቃልሲ ህወሓት ከመይ ኢሉ ከም ዝዓዀዀ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኢህአዴግን ዝተፈጥረ ኪዳን፡ ሓቢሮም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉሉን እዋን፡ ቃልሶም ካብ ገድሊ ናብ መንግስትነት ብኸመይ ኣገባብ ከም እተለወጠ ኢያ ተዘንቱ። እቲ ዛንታ ብዓወታት ህወሓት/ኢህአዴግ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሰልፊ ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ዜጓነፎ ዕንቅፋታት’ዉን ተዘንቱ’ያ።
ዶክተር ሙሉጌታ ኣብ ወሰን ዘይኰነስ ኣብቲ ማእከል ቃልሲ ብምንባሩ፡ ነቲ ዘበርክቶ ጽሑፍ ሚዛን ሂቡዎ’ዩ። ናይ ማዕዶ-ማዕዶ ታሪኽ ኣይኰነን ኣቕሪቡ። እቲ ስፍሓት ናይቲ መጽሓፍ ግን ደረት ኣሎዎ፡ እቲ ዛንታ 1) ብቕዲ መሪሕነት ህወሓት/ኢህአዴግ ጸብጻብ የቕርብ፣ 2) ህወሓት/ኢህአዴግ ዝተጠቕመሉ ስትራቴጂታት ትምርምር፣ 3) ክብርታትን ኣካይዳ ህወሓት/ኢህአዴግን ኣብ ዝተፈላለዩ መድርኻት-ምዕባሌ ከመይ ከም ዝመስሉ ጸብጻብ ተቕርብ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ምስ ካልኦት ብረታዊ ቃልስታት ኣፍሪቃ ብምንጽጻር፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ከመይ ኢሎም ኣብ ምምራሕ መንግስቲ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ ብመጽናዕታውን ጽቡቕ ኣገባብን ሓደ ስእሊ ከቕርብ ይፍትን’ዩ።
ኣብ መቕድም ኣስፊሩዎ ዘሎ ትዕዝብትታት ምስ እነንብብ ታሪኽ ህወሓት/ኢህአዴግ ብገሊኡ ሸነኽ ብሓላፍ-ዘላፍ ከም ዝቐረበ፣ ብካልእ ሸነኻት ድማ ብዘውግን ባዕላዊ ስምዒታትን ስለ ዝተጻሕፈ ነቐፌታዊ ሚዛን ከም ዝጐድሎ ይሕብር። ገሊኦም’ውን ህወሓት ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ህዝባዊ ግንባር ከም ዝነበረ ገይሮም ዝጸሓፉ ኣሎዉ ይብል።
እቲ መጽሓፍ ብሰለስተ ናይ ምርምር ሕቶታት ተመሪሑ’ዩ ቀሪቡ።
1) እቶም ንህወሓት/ኢህአዴግ ዘዐወቱ ቀንዲ ረቛሒታት ኣየኖት’ዮም? እቶም ዝተሰግሩ ኣስጋእቲ ኵነታትን ድርኲዃትንከ ንኣካይድኡ ብኸመይ ኣገባብ ክጸልዉዎ ከኣሉ? ካልኦት ቃልስታት’ከ፡ ዋላ’ኳ ዝሓሸ ትሕዝቶን ዓቕምን ይንበሮም፡ ንምንታይ ክዕወቱ ዘይከኣሉ?
2) ኢህኣዴግ መንግስቲ ምስ ኮነ ዘዐወትዎን ዝበድህዎን ረቛሒታት፡ ከምኡ’ውን እቶም ዝተሰግሩ ኣስጋእቲ ግዝያትን ኩነታትን ከመይ ይመስሉ?
3) እቶም ዝተበጽሑ ምዕባሌታት - ብቝጠባውን ዲሞክራስያውን ሸነኻቶም - ምስ ሕልናን ድርኺትን ናይ ቀደም መርገጺታት ህወሓት/ኢህአዴግ ምስ ዝነጻጸሩ ከመይ ይመስሉ?
እቲ ሓተታ በዞም ዝተጠቕሱ ግዙፋት ሕቶታት ተመሪሑ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ተኸፊሉ ቀሪቡ’ሎ።
እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይታ መጽሓፍ እቲ ፈለማ ምስረታ ቃልስን ኣካይዳኡን፡ ዜጓነፍዎ ተጻብኦታት፡ ኣብ መጠረሽታ ድማ ብዛዕባ ጥምረት ተቓለስትን ሓድሓደ ብድሆታት ይገልጽ - እዚ ክፋል ክሳብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ይኸይድ።
እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ ብዛዕባ ምዕባሌታት ሜዳን ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ዓቢ ዓወት (ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው) ከም ዝተበጽሐ ብሰፊሑ ይገልጽ። እቶም ምዕባሌታት ብዛዕባ ምፍጣር ማሌሊት፡ ብድሕሪኡ ኸኣ እቶም ዓወት ዘጓናጸፉ ቅድታት-ዉግእን ፖለቲካዊ ሕንጻጻትን ምዃኖም’ዩ። እዞም ኣርእስታት’ዚኦም ኣብ ሓምሻይን ሻድሻይን ምዕራፍ ንረኽቦም።
እቲ ሳልሳይ ክፋል ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኢህአዴግ ኢዩ ዘዘንቱ - ካብ ዉግኣ ናብ ሰላም፣ ኣብ ጊዜ ሰላም ዝተኣታተወ መስርሕ ዲሞክራሲ፣ ዉግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣብ ዉሽጢ ሰልፊ ዝተፈጥሩ ቅልውላዋትን ይገልጽ።
እቲ ናይ መጠረሸታ ክፋል ድማ መደምደምታ ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ንመበገሲ ዘልዓሎም ሕቶታት ሓደ-ብሓደ መልስታቶም ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣድላይነት “ዝሓለፈ ሕሳብ ንምዕጻው”
እታ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈት ዕሙቕ ዝበለት መጽሓፍ ብትግርኛን ምጡን ዋጋን ክትቀርብ እንተትኽእል ብዙሕ ሰብ ምረብሐን ፍልጠቱ መስፈሐን። ታሪኽ ገድሊ ህወሓት/ኢህአዴግ ብተጋደልቲ-ነበር ተጻሒፉ ምስ ዝቐርብ፡ እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ክውንነት ብቐረባ ስለዝፈልጡዎ እቲ ታሪኽ ምልኣት ይህልዎ። ይኹን እምበር ኣብ ዞባና ከምዚ ዓይነት ባህሊ ገና ኣይማዕበለን ዘሎ።
ዶክተር ሙሉጌታ “ታሪኽና ባዕልና ክንጽሕፎ ይግብኣና” ዝብል መልእኽቱ እምበኣር ሓቂ ኣሎዎ። መቐጸልታ እታ ቀዳመይቲ ክፋል መጽሓፉ ንክጽሕፍ ይዳሎ ምህላው ስለዝሓበረ ከኣ ዝሓሰቦ ክቐንዖ ንምነ።
ትሕዝቶ መጽሓፍ
እዛ 376 ዝገጻታ፡ ብቤት ማሕተም ብሄርስት (Hurst) ዝተሓትመት ‘Laying the Past to Rest’ ዘርእስታ “ብሕሉፍ ኣይንጸባጸብ፡ ወይ ዝሓለፈ ሕሳብ ንምዕጻው” ብዘስምዕ ትርጉም ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ብመጀመርታ ንምንታይ ነቲ ኣርእስቲ “ ብዝሓለፈ ኣይንጸባጸብ” ኢሉ ከም ዝሰመዮ ክነግር እንከሎ ከምዚ ይብል ...
“ህዝብና ኣብ ሓደ ሓሳብ ንክዓስል ሽግር ኣሎዎ - ብባንዴራ ንበኣስ፡ ብዉግእ ዓድዋ ኣይንሰማማዕን፡ በቲ ዘካይድናዮ ቃልሲ’ውን ከይተረፈ ዘይምስምማዕ ኣሎ። ሓደ ብሓባር እንካፈለሉ ዛዕባ ኣማዕቢልና ክንጕስጕስ ከም ዝሽግረና ይረኣየኒ’ዩ። ስለዚ እቲ ዝሓለፈ ኣቐሚጥና’ስከ ሓቢርና ንዘቲ፡ ንስራሕ፡ ንቕድሚት ንድፋእ ዘስምዕ መልእኽቲ ክህልዎ ተስፋ እገብር” ይብል።
“እንድሕሪ ኣብ ብዙሕ ነገራት ዘይንሰማማዕ ኴንና፡ ዛንታና’ውን ክንጽሕፍ ኣይንኽእልን ኢና - ጓና ብዛዕባና ንክጽሕፍ ዕድል ንህቦ ኣሎና ማለት’ዩ። ታሪኽና ባዕልና ክንጽሕፎ ይግብኣና” ኢሉ ወሰኸሉ።