ኣለክሳንደር ፑሽኪን ንኤርትራ ድዩ ንኢትዮጵያ ዝብጸሐን?

ኣለክሳንደር ፑሽኪን፡ እቲ ብ 6 ሰነ 1799 ኣብ ሞስኮ ዝተወልደ፡ 'ሓበሻ' ዝመበቈሉ ዝበሃል፡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ሩስያ ኸኣ ዝዓበየ ተራ ዝተጻወተ ገጣማይን ደራስን፡ ሎሚ ብህይወቱ እንተዝነብር መበል 221 ዓመቱ መኽበረ ነይሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ጥቓ ሳር-ቤት ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ፡ ብስሙ ዝጽዋዕ፡ ንዝኽሩ ዝቖመ ጎደና ኣለክሳንደር ፑሽኪን ተሰይምሉ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ሓወልቲ ፑሽኪን ተተኺሉ ይርከብ። ኣብ መመረቕታ ናይቲ ሓወልቲ ኣብ ሚድያ መንግስቲ 'ኤርትራዊ-ሩስያዊ' ዝተባህለሉ መዓልቲ ኸኣ ነበረ።

ስለምንታይ እየን ግን ኤርትራን ኢትዮጵያን ደልየንኦ? ንዐአን ከምዝብጸሐን'ከ ብቑዕ መርትዖ ኣለወን ድዩ?ኣብ ዓለምና'ኸ ንሳተን ጥራሕ ድየን ዝደልየኦ? ኣብ ኣፍሪቃ'ኸ? ብዛዕባ መንነት ፑሽኪን ዝተጻሕፉ ሰነዳት'ከ እንታይ ይብሉ?

እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንፑሽኪን፡ ኣቦ-ኣባሓጎኡ ኣብ 'ምድረ-ሓበሻ' እዩ ተወሊዱ ካብ ዚብል እምንቶ ተበጊሰን እየን ክሳብ ክንድዚ ክብረት ዝሃበኦ። ፈለማ እምበኣር ኣስተዋጽኦ ናይዚ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ኣቓልቦ ዓለምን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰለበ ሰብ ምግላጹ ከድሊ'ዩ።

ኣበርክቶ ፑሽኪን ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም

ብስነ-ጽሑፍ ኣብ ዓለምና ዝያዳ ዝና ዘትረፉ ሩስያውያን ጸሓፍቲ በዓል መን'ዮም እንተ ዝበሃል እቲ ቦታ ንቶልስቶይ ወይ ከኣ ዶስቶቭስኪ ምተዋህበ ነይሩ፣ ኣብ ሩስያ ግን እቲ ቀዳማይ ቦታ ንኣለክሳንደር ፑሽኪን ከም ዝወሃብ ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ይምስክሩሉ'ዮም።

ፑሽኪን ንስነ-ጽሑፍ ሩስያ ሓደ ዓይነት ቅርጺ ከትሕዞን ስርዓት ከልብሶን ብምኽኣሉ እቲ መዘና ዘይብሉን ዓይነታዊ ጽልዋ ዜሕደረን ክኢላ ተባሂሉ'ዩ ዝዝከር። እቶም ዓበይቲ ሩስያውያን ጸሓፍቲ ድማ ኣሰሩ ተኸቲሎም ኣብ ብልጽግና ስነ-ጽሑፎም ዓቢ ተራ ተጻዊቶም'ዮም።

ንፑሽኪን ኣብ ሩስያን ክንዮኡን ዘፍለጦ በቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ዘበርከቶም ግጥምታትን ድራማታት ጽሑፋትን'ዩ። ድርሰታቱ ብዕምቈትን ትርጕምን፡ ግጥምታቱ ድማ ብስውጠት ዝማዕረጉ ብምዃኖም መዘነታቱ ዀኑ ድሒሮም ዝሰዓቡ ትውልድታት ብኣድናቖት መስኪሮምሉ።

ስለዚ ፑሽኪን ኣብ ዓለመ ስነ-ጽሑፍ ህያው'ዩ፣ ክብ ዝበለ ቦታ ኸኣ ሒዙ ይርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ልክዕ ከምቲ እንግሊዛውያን ብሸክስፒር ዝሕበኑን ዝኾርዑን፡ ፑሽኪን ድማ ንሩስያውያን ሓበኖምን ንያቶምን'ዩ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን በቲ ንሃገሩን ንዓለምን ዜበርከቶም ግጥምታትን ድርሰትን ወይ ከኣ ብዝጸሓፎም ተወስኣኦታት ኣይኰነን ዚፍለጥ፣ እንታይ ድኣ ብስነ-ወለዶ ወይ ከኣ 'ብ ይብጽሓና'ዩ' ዝብል ነገር እምበር። ምኽንያቱ ፑሽኪን ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዀነ ኣብ ኤርትራ ተተርጕሞም ኣይተዘርግሑን፣ ንዝኽሩ ግን ሓወልትን ብስሙ ዝጽዋዕ ኣደባባይን ኣሎዎ።

ኣብዛ ዕለተ-ልደቱ፡ 06 ሰነ ከኣ፡ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ዝና ዜጥረየ ኣብ 38 ዓመቱ ዝዓረፈ ክኢላ ስነ-ጽሑፍ 20-30 ዓመታት ጸኒሑ እንተ ዝነብርስ እንታይ ዓይነት ስርሓት ኮን መበርከተ ይኸውን?

ኣለክሳንደር ፑሽኪን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ'ዩ ዝብጽሐን?

ብዛዕባ መበቆል ፑሽኪን ብርክት ዝበሉ ተማራመርቲ ታሪኽ ጽሒፎም'ዩ። ናይ ኩሎም ጸብጻብ ከኣ ብጽቡቕ ይሰማማዕን ይገጣጠምን'ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ገሊኦም ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ'ዩ መቦቆሉ ክብሉ እንከለው ገሊኦም ከኣ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ይገልጹ።

ማይክል ፊሊፕስ ዝተባህለ ፍሉጥ ብሪጣንያዊ ጸሓፊ፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝመበቆሎም ዓበይቲ ደረስቲ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ህይወትን ባህልን ኤውሮጳውያን ተራ ዝነበሮም፡ ፍሉይ ተገዳስነት ስለ ዘሎዎ ብዛዕባ ፑሽኪን ዝጸሓፎ ኣብ ብሪቲሽ-ላይብረሪ ይርከብ።

ማይክል ፊሊፕስ ከም ዘዘንትዎ ኣፍሪቃዊ መበቈል ፑሽኪን ዝላል ምዃኑ'ዩ (ኣዝዩ ርሑቕ) ዝሕብር። ኣብ መጀመርታ 18'ንተ ክፍለ ዘበን ሓደ ኣብራሃም ወይ ኢብራሂም ዝበሃል ቖልዓ፡ እንተ ካብ ምድሪ-ሓበሻ ወይ ከኣ ከባቢ ጫድ፡ ተጨውዩ ንቱርኪ ተወስደ'ሞ ኣብኡ ናብ ሓደ ሱልጣን ከም ዝተሸጠ ይሕብር። ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ድማ እቲ ቖልዓ ናብ ሩስያ ገዓዘ፣ ገለ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ ከም ህያብ ንእንዳ ሃጸይ ጴጥሮስ ዓቢ (Peter the Great) ተዋህበ። ማይክል ፊሊፕስ ከም ዝብሎ ግን እቲ ሃጸይ ነቲ ቖልዓ ወሲዱ ኣጥመቖን ብልግና ሓዞን ይብል። እቲ ቖልዓ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ኣተወ፣ ስሙ ኸኣ ሃኒባል ተባህለ።

ጴጥሮስ ዓቢ፡ ንፈረንሳ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ንሃኒባል ምስኡ ሒዙዎ ከደ፣ ንክምሃር ከኣ ኣብኡ ገደፎ። ሃኒባል ኣብ ፈረንሳ እናተማህረ ዓበየ፡ ኣብ መጨረስትኡ ድማ ወተሃደራዊ ህንደሳ ተማሂሩ ንሩስያ ተመልሰ።

ሃኒባል ኣብ ሩስያ (ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ) ዕዉት ህይወት ተጐናጸፈ፣ ብዙሓት ቆልዑ ኸኣ ወለደ። እቲ ሳልሳይ ወዱ፡ ንናደዝዳ (ኣደ ፑሽኪን ምዃና'ዩ) ወለደ። ፑሽኪን ከኣ ብዕለት 6 ሰነ 1799 ኣብ ሞስኮ ተወልደ። ስለዚ ሃኒባል ንፑሽኪን (ብኣዲኡ) ኣቦ-ኣባሓጎኡ ይዀኖ ማለት'ዩ።

ማሕበራዊ ሕልና ኣለክሳንደር ፑሽኪን

ፑሽኪን ብክንክን መጕዚቱን ብዉልቀ-መምህራኑን ብቋንቋታት ፈረንሳን ሩስያን እናተዀስኰሰ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ዝበለጸ ቤት-ትምህርቲ እናተማህረ'ዩ ዓብዩ። ኰይኑ ድማ ካብ 15 ዕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ ጽሑፍን መጽሓፍን ከቕልብ ጀመረ። ብፈረንሳዊ ክስተተ-ኣእምሮ (French Enlightenment) ተደሪኹ ድማ ዕዙዝ ማሕበራዊ ሕልና ኣጥረየ። እቲ ማሕበራዊ ሕልና ግና ኣብ ፖለቲካዊ ጸገማት የእትዎ ነበረ።

ፑሽኪን ዓመጽ መንግስቲ ኣይጻወርን ስለ ዝነበረ ምስቲ ስርዓት ተጋጭዩ ብ 1820 ካብ ሞስኮ ተሰጐጐ። ብድሕሪኡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዘ ኣብ ፈቐድኡ ክነብር ጀመረ። ሓንቲ ካብ'ተን ኣዝየን ዉሩያትን ኣብ ጸገም ዜእተወቶ ግጥምታቱ 'ዉዳሴ ሓርነት' (Ode to Liberty) ኮይና ኣብቲ እዋን'ቲ እታ ግጥሚ ብናይ ኣድማን ተጻብኦ-መንግስትን ቋንቋ ከም ዝተጻሕፈት ትቝጸር ነበረት።

እምበኣርከስ ሓደ ካብ'ቶም መለለዮ ባህርያት ፑሽኪን ተሓላቒ ናጻ ኣተሓሳስባ ብምንባሩ'ዩ፣ ፑሽኪን ንተጽዕኖ-መንግስቲ ብዘይ ፍርሂ ምምካቱን ንስለ ፍትሒ ዝመስሎ ዚጽሕፍ ዘይጸዓድ ተባዕ ብምንባሩ'ዩ። እቶም መመይቲ (ሳንሱር) ንዝጸሓፎ ግጥሚ ይዅን ድርሰት ብቐሊሉ ንክሕተም ይኽልክልዎ ነበሩ። ንኣብነት 'ቦሪስ ጎዱኖቭ' ዝተባህለት ብ 1825 ዜዳለዋ ዓባይ ተዋስኦ ክሳብ 1866 ኣብ መድርኽ ኣይቀረበትን፣ እቲ ሕታማ ግን በቶም መመይቲ ተጸይቓ ብ 1831 ተሓትመት፣ ሃጸይ ኒኮላስ'ውን ኣብ ምምማያ ኢድ ነይሩዎ ይበሃል'ዩ።

ፑሽኪን ሸውዓተ ስምኒት (7/8) መበቆሉ ሩስያዊ (ጻዕዳ) ኢዩ። እንተዀነ ግን በታ ሓደ ስምኒት (1/8) መበቆሉ አዐርዩ ይፈልጥን ይመራመርን ነይሩ'ዩ፣ ብዛዕባ ዛንታ ኣቦ-ኣባሓጎኡ ዝጸሓፎ ጽሑፍ (The Blackamoor of Peter the Great) ንምንታይ ከም ዘይወድኦ ኣርጊጹ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ብዛዕባ መበቆሉ ብቐጻሊ ኣብ ሓሳቡ ከምዝነበረን ብዝተፈላለየ ድርሰት የንጸባርቖ ምንባሩን ይትረኽ።

ንምዃኑ ፑሽኪን ንምንታይ ኣብ 37 ዕድሚኡ ሞይቱ?

ናታልያ፡ ሰበይቲ ፑሽኪን፡ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት፣ ወዛም ስለ ዝነበረት ከኣ ብዙሓት ዝብህግዋ ሰባት ነበሩ። ናታልያ ብዕድሚኣ ካብ ፑሽኪን ብ 13 ዓመታት ትንእስ። ኣርባዕተ ቆልዑ ኸኣ ወለዱ።

ሓደ ካብ'ቶም ንናታልያ ዝብህግዋ ዝነበሩ ሰባት ጆርጅ-ቻርል ዳንተስ ዝበሃል መኰንን ነበረ። ዋላ'ኳ ናታልያ ሕራይ ትበሎ/ኣይትበሎ ብርግጽ ኣይፈለጥ፡ እቲ ወረ ድሮ ስለ ዝተዘርግሐ ንፑሽኪን 'ሰበይትኻ ተወሺማ' ዝብል ሕሜታ በጽሖ።

እቲ መኰንን ነቲ ሕምየት ንኽቀትል ኢሉ ቀልጢፉ ንሓብቲ ናታልያ ተመርዓወ። እቲ መርዓ ከኣ ብ 10 ጥሪ 1837 ተኻየደ። ይዅን'ምበር እቲ መርዓ ነቲ ዝነፍስ ዝነበረ ወረ ክዓግቶ ኣይከኣለን።

ፑሽኪን በቲ ሕሜት ኣይደቀሰን፣ ነቲ መኰንን፡ ዋላ'ኳ ዘማኡ ይዅን፡ ብፍልምያ ክገጥሞ በድሆ። ፍልምያ ማለት ክልተ ተቐናቕንቲ ማዕዶ-ማዕዶ ኰይኖም ብሽጉጥ ይታዀሱ'ሞ እቲ ዝሰለጦ ንተቐናቓኒኡ ይቐትል። ኣብቲ እዋንቲ ፍልምያ (ግጥም) ብሕጊ ፍቑድ ኣይነበረን። ፑሽኪን ግን ኣይገደሶን፣ ነቲ ዉርደት ክቕበሎ ስለ ዘይከኣለ፡ ነቲ ሕምየት ከኣ ኣርባዕተ ነጥቢ ንከንብረሉ ስለ ዝደለየ ንጆርጅ-ቻርል ዳንተስ ገጠሞ። እቲ ፍልምያ ብ 27 ጥሪ 1837 - ክልተ ሰሙን ድሕቲ'ቲ መርዓ - ወዓለ።

ኣብቲ ፍልምያ እቲ መኰንን ንፑሽኪን ቀዲሙ ኣብ ከብዱ ብጥይት ወቕዖ፣ ፑሽኪን ተወጊኡ ወደቐ። ፑሽኪን ተንሲኡ ተኰሰ፣ነቲ መኰንን ከኣ ወግኦ። ማህሰይቲ ናይቲ መኰንን ቀሊል ስለ ዝነበረ ግን ክድሕን ከኣለ፣ ፑሽኪን ግን መውጋእቱ ከቢድ ስለ ዝነበረ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዓረፈ።

ፑሽኪን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምትካል ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡ ምህናጽ ኣደባባይን ዓቢ ጐደናን ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዜለዓዕልዎም ሕቶታት ኣለዉ። ከምቲ ኣብ ሓደ ሓደ ጽሑፋት ዝበሃል፡ ኣቦ-ኣባሓጎ ፑሽኪን (ሃኒባል) ብሓቂ ኣብ 'ሎጎ-ሳርዳ' ድዩ ተወሊዱ? ኣብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ታሪኽ፡ እንኮላይ ኢንሳክሎፐድያ ብሪታኒካ፡ መበቆል ፑሽኪን ካብ 'ምድረ-ሓበሻ (Abyssinia) ምዃኑ ድኣ'ዩ ዝገልጽ'ምበር ፍሉይ ከባቢ ወይ ዓዲ ኣይጠቅስን። ንምዃኑ፡ ኣቦ-ኣባሓጎ ንፑሽኪን ናይ ሓቂ ስሙ ኣብራሃም ድዩ ወይስ ኢብራሂም? ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ብኽልቲኡ ኣስማት'ዩ ዝፍለጥ።

ገለ ተመራመርቲ ኣፍሪቃ ግን፡ መበቆል ኣብራሃም ሃኒባል፡ ኣብዛ ሎሚ ካሜሩን ትበሃል ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃኑ ኣብ መጻሕፍቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ሓደ ካብዞም ተመራመርቲ ዝኾነን ኣብ ናይ ሩስያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝሰርሐን በኒናዊ ዲዮዶን ግናማንኮ፡ ኣብራም ሃኒባል፡ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ቀላይ ቻይድ ዝርከብ "ሎጎን" ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካሜሩን ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ከም ዝመጸ'ዩ ዝምጉት።

ንሱ፡ ኣብቲ "Abraham Hanibal, Prince of Logone: Pushkin's African Ancestor (ኣብራሃም ሃኒባል፡ ልኡል ሎጎን፡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ፑሽኪን) ዘርእስታት ኣብ 1996 ብቋንቋ ፈረንሳ ዝደራሳን፡ ድሒራ ናብ እንግዝኛ ዝተተርጎመትን መጽሓፉ፡ ኣብራሃም፡ ወዲ ሓደ "ንግስነት ሎጎን" ዝገዝእ ዝነበረ ሱልጣን ከም ዝነበረን፡ ኣብቲ እዋን ብኻልእ ንግስነት ምስተወረረት፡ ኣብራሃምን ካልኦትን ኣብ ምርኮ ከም ዝኣተዉ ጽሒፉ።

ስም ናይቲ ሱልጣን ድማ፡ "ቡርዋ" ይበሃል ከም ዝነበረ ጠቒሱ'ሎ። እቲ ቃል ምስታ ኣብቲ እዋን፡ ፖለቲካዊ ማእከል ዝነበረት ናይ ሎሚ ከተማ "ድባሩዋ" ዝመሳሰል'ዩ።

ነቲ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ "ሎጎ" ዝተባህለ ቦታ መጺኡ ዝብል "ብሂል" ኢሉ ብምግላጽ ከም ዝነጽጎን፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ሩስያውያን ተመራመርቲ ነቲ ዘኽብርዎ ዝነበሩ ፑሽኪን ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ክወሓጠሎም ስለዘይካኣለ፡ ናብቶም "ብርህ" ዝበሉ ኤርትራውያን ከጸግዕዎ መሪጾም ክብል እቲ ተመራማሪ ይማጎት።

ስም ኣብርሃም ሃኒባል፡ ኣስላማይ ስለዝነበረ "ኢብራሂም" ይበሃል ከም ዝነበረን፡ ተጠሚቑ "ኣብርሃም" ዝብል ስም ከምዝተዋህቦን ድማ ይዛረብ።

ናይ ሩስያ ዛር (ሃጸይ) ዝነበረ ፒተር፡ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ ንግስነቱ ዘመናዊ ክገብር ራኢ ከም ዝነበሮ፡ ይኹን እምበር ዓቃባውያን መሳፍንቲ ሩስያ ንዘመናዊ ትምህርቲ ዘይቅበሉ'ዮ ነይሮም። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ተማሂሩ ክምዕብል ከም ዝኽእል ንምርኣይ፡ ነቲ ተሸይጡ ዝኸደ ኣብራሃም ኣብ ትሕቲኡ ጌሩ ከምህሮ ከም ዝወሰነ'ውን እቲ ኣፍሪቃዊ ምሁር ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ'ሎ።

ዝዀነ ዀይኑ እቶም ዝበዝሑ መጻሕቲ ታሪኽ ንወለዶ ፑሽኪን ምስ 'ምድሪ-ሓበሻ' ኢዮም ዜተኣሳስርዎ።

እቶም መበቆሉ ኤርትራ ምዃኑ ዝምጉቱ ድማ፡ ኣብራሃም፡ ልክዕ ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ወዲ ገዛእቲ "ባሕሪ ነጋሲ" ከም ዝነበረን፡ ኣብቲ ምስ ቱርካውያን ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተማረኸን፡ ናብ "ኮኒስታንትኖፕል" (ናይ ሎሚ ኢስታንቡል) ከም ዝተወስደ የዘንቱ።

ኣብዚ ክልዓል ዝግብኦ ሕቶ ኣሎ። ነቲ ሓወልቲ ዀነ ናይ ዝኽሪ ቦታ ቅድሚ ምህናጽ እቶም ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ባእታታት (ኣብዚ ጕዳይ'ዚ መንግስቲ ማለት'ዩ) ንህዝቢ ከዕግብዎ ኣይምተገብኦምን'ዶ?

ሓወልቲ ትእምርታዊ ትርጕም ኣሎዎ። ንኣብነት ንሕሉፍ ታሪኽ፡ ንክብሪ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ደቂ-ሰባት፡ ንመሎኮታዊ ክስተት፡ ከምኡ'ውን ንካልኦት ፍጻሜታት ህያው ንምግባርን ንምጽንባልን ንመምሃሪ ክዀኑን ተባሂሉ እዩ ዝትከል። ንፑሽኪን ድማ ምስ ህይወትን እምነትን፡ መርገጽን ኵነታትን፡ ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ንምትእስሳር መገዲ ክምሃዘሉ መድለየ ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት መስፍን።

ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተተኺሉ ይርከብ። ንኣብነት ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ 94 ሓወልትታት ፑሽኪን ኣሎዉ።

ኣብ ሻንጋይ ቻይና፡ ኣብ ሮማ ኢጣልያ (2002)፡ ኣብ ዋሺንግተን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (2000)፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሞንኩቡ ንላዕሊ፡ ኣብ (2002) ኣብ ኣስመራ ኤርትራን ካልእን ሓወልቱ ተተኺሉ ኣሎ።

ሪቻርድ ፓንክሀርስት፡ እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝተመራመረ ሊቅ፡ ብ 1980 ብዛዕባ ፑሽኪንን መቦቆሉን ኣብ ሂስትሪ-ቱደይ (History Today) ጽሒፉ ኣሎ። እቲ ልክዕ ትውልዲ ቦታ ናይ ኣቦ-ኣቦሓጎ ፑሽኪን ግን ኣብዚ እዩ ኢሉ ንጹር ወይ ርጉጽ ቦታ ኣይሓበረን።

ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት፡ "ተፈላጥነት ፑሽኪን ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ ኣገዳስነት ምትካል ሓወልቲ ኣብ ሃገራት ግን ብምኽንያት ክምመን ክረአን ምተገብአ። ናጽነት ሃገር ዘረጋገጹ ንህዝቢ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሓርበኛታት ዘለውዋን ብስሞም ሓደ ሓወልቲ ዘይተኸለትን ሃገር፡ ካብ ሩስያ ሓወልቲ ትልቀሓሉ ምኽንያት ኣዘራራቢ እዩ" ይብል።