ኤርትራዊ 'ፕሮግራመር'፡ ተስፋልደት ኣለምመሓረና

ኣብ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ)፡ ኣይ-ብራና፡ ቃል-ደሊና፡ 'ደሊና-ግእዝ-ዎርድ' ...ወዘተ ዝኣመሰሉ ፊደል ትግርኛ ዝመሰረቶም ረቀቕቲ-ንዋተ-ኮምፕዩተር (software) ወይ ከኣ መሳለጥያታት (apps) ብምምሃዝ፡ ፊደላት ግእዝ ብኮምፒዩተር ንኽጸሓፍ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ተስፋልደት ኣለምመሓረና ዝበሃል ዕባይ ኣስመራ ፕሮግራመር ኣሎ።

ተስፋልደት፡ ኣዝዩ ትሑት፡ ብዝሰርሖ ዘይዛረብ፡ ንሕና እምበር ኣነ ዘይትሞልቆ፡ 'ሓቢርና ንስራሕ' ዝብልን፡ ብሓባራዊ ስራሕ ዝልለን ኣዝዩ ዉፉይን በሊሕን ናይ ኢንፎርመሽን-ተክኖሎጂ ክኢላ ምዃኑ፡ ብዙሓት ፈለጥቱ ይምስክሩ።

ተስፋልደት፡ መዓስን ኣበይን ትምህርቲ ፕሮግራሚን ከም ዝተማህረን፡ ፊደላት ትግርኛ ኣብ ኮምፒዩተር ንኽጸሓፍ ዝገበሮ ተራን ኣበርክቶን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣዕሊሉ ኣሎ።

ቅድሚኡ ግን፡ እቶም ፊደላት ግእዝ እነንብብ፡ ነቶም ፊደላት ብኸመይ ኣገባብ ተማሂርናዮም ዝብል ሓጺር ሓተታ ከነቕርብ።

ትምህርቲ ፊደል ነበብቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኸመይ ፊደላት ግእዝ ከም ዝተማህሩ ከከም ዕድሚኦም ዝገልጹዎ ዝኽሪ ይህልዎም'ዩ።

ገሊኦም፡ ምስ ጸሎት፡ ብመግናሕትን ሓውሲ ሓይልን፡ ደድሕሪ መምህር ፊደል እናደገሙን እንኽጋገዩ እናተቖርጠጡን፤ ገሊኦም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ በብደረጀኦም፡ ካብ ፊደል ናብ ቃላት፡ ካብ ቃላት ናብ ምሉእ ሓሳባት፡ ስርዓት ነጥብን ሰዋስዉን ተማሂሮም - ተማሂርና።

ዝኽርና ከከም ዕድመናን መልክዕናን ብዙሕ እዩ። እዋን ትምህርቲ እዋን ንእስነት ስለ ዝኾነ፡ ተመሃሮ መምስ መዘናታቶም ጥዑም ግዜ ዘሕልፍሉ ተዘካሪ እዋን ቁልዕነት እዩ።

ልክዕ ከም ፊደላት ግእዝ ኣብ ጸሎት፡ ንኣመንቲ ምስልምና ቘልዑ፡ ብቅዱስ መጽሓፍ ቍርኣን ተመዊሉ ንዳርጋ ፍርቂ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣሊፍ፡ ባ'እ፡ ታ'እ ... እናምሃረ ፊደላት ዓረብ የምህር ምንባሩ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

ብሰላሳታት፡ ኣቦይ ወልደብኣ ወልደማርያም፡ እቶም ዓቢ መምህርን ኣቦ ኤርትራን፡ ዘቕረቡዎ መጽሓፍ ፊደል፡ በቲ ጊዜ'ቲ ዓቢዪ ኣስተዋጽኦ ነይርዎ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ወለዲ ተማህሩ፣ ኣብ ኤርትራ ከኣ ኣንባቢ ሕብረተሰብ ተፈጥረ።

ኣቦይ ወልድኣብ ኣዳላዊ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ ምስ ኰኑ ድማ እቶም ፊደል ዝቘጸሩ ሰባት ዝንበብ ጽሑፋት ክረኽቡ ብምኽኣሎም ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ፍልጠት ንቕሓትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ በጽሐ።

'ዓርኪ ተማሃራይ' ዝበሃል ብመምህር ሙሳ ኣሮን ዝተዳለወ ዝሓሸ መጽሓፍ ፊደል ምስ ተዘርግሐ ድማ እቲ ኣመሃህራ፡ ሓደ ሓደ ኣሳእል ስለ ዝተሓወሶ፡ ተምሃሮ 'በ - በጊዕ፡ መ- መጽሓፍ፡ ቀ - ቀለም' እናበሉ ክመሃሩ ጀመሩ። ይዅን'ምበር እቲ መጽሓፍ ኣብ ሒደት ቦታታት ጥራይ'ዩ ተዘርጊሑ።

ይዅን'ምበር፡ ትምህርቲ ፊደል ትግርኛ፡ ብዕላዊ ምትእትታው ቋንቋ ኣምሓርኛ ብዙሕ ተበደለ፣ እናተሓናፈጸን ሓጐጽጐጽ እናበለን ከኣ ነዊሕ ተጓዕዘ። ሕጂ ግን ኣብዚ ዘበን ቋንቋ ትግርኛ ሓራ ወጺኡ ንቕድሚት ዝውንጨፈሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ይኹን እምበር ብጽሬቱ ይኹን ኣጠቓቕማ ሰዋስዉ ኣብ ሓደ ቅቡል ደረጃ ንክበጽሕ ብሸነኽ ኤርትራ ይዅን ትግራይ ናይ ሓባር ምትዕርራያት ከይተገብረሉ ቴክኖሎጂ ከም ዝቐደሞ ሊቃውንቲ እዚ ቋንቋ ይሕብሩ።

ፊደል ትግርኛ ኣብ መስርሕ ኮምፕዩተር ካብ ዚሰጋገር ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኰይንዎ ኣሎ። እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ መስርሕ ንቋንቋ ትግርኛ ብዝላዊ መልክዕ ሰፍ'ኳ እንተ ኣበሎ፡ እኹል ዝርጋሐ ኮምፕዩተራት ስለ ዘይነበረ፡ ሕጂ'ውን ጌና ስለ ዘየሎ (ኣብ ዉሽጢ ሃገር)፡ እቲ ምዕባለ ተሓጺሩ'ዩ ተሪፉ፣ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ፡ ናይ ግሊ ቤተ-ጽሕፈታት ወይ ከኣ ኣብ ርኹባት ግለ-ሰባት ጥራይ ተሓጺሩ ተረፈ።

እቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ቀንዲ ቈጸርቲ ፊደል ናኣሽቱ ክነሶም፡ ገና ካብ'ቲ ናይ ቀደም ቅዲ ትምህርቲ ፊደል ከም ዘይወጽኡ ይሕበር። ይዅን'ምበር ኣብ ግዳም ኰነ ዉሽጢ ሃገር ዝሕተሙ ዘሎዉ መሃርቲ-ፊደልን መጻሕፍቲ ንባብን ኣብ ከተማታት ጀሚሩ ቀስ እናበለ ይተኣታቶ ኣሎ።

ተመኩሮ ተስፋልደት - ክጅምር ከሎኹ ...ተስፋልደት ንባዕሉ ኣብ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባሌ ምሉእ ዕድሚኡ ስለ ዝተሳተፈን ዝሰርሓሉን፡ ሓደ ካብ'ቶም ንቋንቋ ትግርኛ ምስ ኢንተርነት ኣወሃሂዱ ዘማዕበሎ ምህዞታት ዘቕረበ፡ ብዓቕሙ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ብቋንቋኦም ዝጨናውሉ መገዲ ዝመሃዘ ክኢላ'ዩ።

ክእለቱ ኣብኡ ጥራይ ከይተወሰነ ኣብ ናይ ኦውድዮን ቪድዮን ዓለም ብምእታው ብዙሕ ነገራት ኣፍርዩ።

"ምምዕባል ስራሓት ኮምፕዩተራዊ ፊደል ክጅምር ከሎኹ እዝከረኒ ... ነፍሲሄር ዶክ. ርእሶም ሃይለ ንፉዕ ገጣማይ'ዩ ነይሩ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዶክ. ርእሶም ግጥምታቱ ብዌብሳይት ኣቢሉ ምስ ህዝቢ ከፋልጥ ከሎ ኣብ ክንዲ ፊደላት ትግርኛ ፊደላት ላቲን ተጠቒሙ ብትግርኛ ክገጥም እዝከረኒ።

ሽዑ ነቲ ሽግር'ቲ ንምፍታሕ ኣብ ምምዕባል ኮምፕዩተራዊ ትግርኛ ኣትየ" ይብል ተስፋልደት። "ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ፈለምቲ ምህዞ ቅዲ ፊደል ኮምፕዩተር ትግርኛ የማነ ርእሶም'ዩ ኣብ ህዩስተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ክኢላ" ይብል ተስፋልደት።

ብሸነኽ ኢትዮጵያ'ውን መሃዝቲ ከም ዝነበሩ ይጠቅስ። እቲ ፈለማ የማነ ዝመሃዞ ኣፕሊከሽን ብዶንግል (መፍትሕ) ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝዝክርዎ ሰባት ኣሎዉ፣ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ጽሕፈት ብሳላ ምህዞታት የማነ ኮምፕዩተር ተኣታትዩ'ውን ነይሩ'ዩ።

ኣይጸንሑን ግን ካልኦት ካብ ናይ የማነ ምህዞ ተማሂሮም ነናቶም ክምህዙ ጀመሩ፡ ናይ የማነ ግን ካብ ተመኩሮ ዝምንጩ ብልጫ ነይሩዎ። የማን ምስ ኵሎም መድርኻት ዊንዶውስ ኣወሃሂዱ ንፊደል ትግርኛ ብምቕራቡ ምህዞኡ ቀጻልነት ረኸበ፣ ብዙሕ ሰብ ከኣ ለመዶን ፈተዎን።

"ጸኒሑ የማነ ነቲ ምህዞኡ ብዙሓት ዓይነት ምዕባሌታት ከም ዝወሰኸሉ - መምሃር ቋንቋ ትግርኛ (ከምኡ'ውን ኣምሓርኛ)፡ ሓደስቲ ቅድታት ትምህርቲ ተጠቒሙ ብዋዛን ቁም ነገረን ዜስተምህር ምህዞ (መዘናግዒ ዝተሓወሶ ዓይነት ትምህርቲ)፡ ብስእልን ድምጽን ዝተሰነየ ኣስተምህሮ፡ ንባብን መላመድን ሓጸርቲ ፈተናታትን (መርመራ) ዝሓዘለ ትምህርቲ፡ ማህደረ-ቓላት ዘኻዕብት ... ብሓቂ ዓቢ ኣበርክቶ ዜቕረበ ክኢላ'ዩ" እናበለ ተስፋልደት ነቲ ዘይሕለሎ መሃዚ የማነ ርእሶም ይገልጾ።

ተስፋልደት: ዘይጀሃር፡ ኣዝዩ ምቕሉልን ትሑትን መኽበር-ሰብን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዕላል ተመኩሮኡ፡ ብየማነ ርእሶም እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕባ ነብሱ ብዙሕ ኣይተዛረበን። ይኹን እምበር ተስፋልደት ክኢላ ኣርቲስት'ዩ።

ናይ ኮምፕዩተር ምፍታሽ ብሉጽ ተውህቦ ስለ ዘሎዎ ድማ ሽግራት ናይ ምፍታሕ፡ ኮምፕዩተራት ኣብ መዓልታዊ ኣገልግሎት ሰባት ብኸመይ ከም ዝውዕላ ምግባር ፍሉይ ክእለት ኣሎዎ። ባህሪኡ ንሰባት እዚ በሉ እዚ ግበሩ ከቶ ኣይብልን - ንዅሉ ብኣብነት'ዩ ዚገጥሞ።

ንተስፋልደት ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ ራእይ ዘሎዎ ሰብ ምዃኑ ይምስክርሉ። ዓቢ ስእሊ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ስለ ዘሎዎ ንዝዀነ ስራሕ 'ብሓባር ንግጠሞ' ዚብል ኣቀራርባ ኣሎዎ፣ ኵሉ በብዓቕሙ ጸሓፋይ፡ ስነ ጥበባዊ፡ ኣወሃሃዲ፡ ኣዳላዊ፡ ስኣላይን ሰ'ላምን ... ኵሎም ብዓቕሞም ምስ ዜበርክቱ እቲ ፕሮጀክት ጽፉፍን ኣድማዕን ይኸውን ዚብል እምነት ብግብሪ ኢዩ ዚሰርሓሉ።

ተስፋልደት ብኣዝማሪኖ.ኮም'ዩ ብዝያዳ ዝፍለጥ፣ ኣዝማሪኖ.ኮም ን22 ዓመታት ንኣሽሓት ኤርትራውያን ማንዛዊ ሰሌዳ ብምዃን ኣገልግሎት ዝሃበ ባይታ-ሓበሬታ'ዩ።

ካብ ባይታ-ሓበሬታ (ወብሳይት) ሓሊፉ፡ ብ 1998 ዝጀመሮ ፕሮጀክት ምዕባሌ ትግርኛ ሶፍትወር ዓመተ-ዓመት እናመሓየሸ ብ 2004 'ደሊና-ግዕዝ-ዎርድ' ዝበሃል ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ብትግርኛ ናይ ምጽሓፍ ቅዲ መሃዘ።

እዚ ንኣሽሓት ተጠቐምቲ ኣቋራጭ መንገዲ ፈጠረ፣ ነቶም ብትግርኛ ዝጽሕፉ ተዋሳእቲ ድማ ማዕጾ ኣርሓወሎም።ኣዝማሪኖ ዘበርከቶ 'ደሊና-ግዕዝ-ዎርድ' ጥራይ ኣይኰነን።

ኣይ-ብራና ዝበሃል ኣዝዩ ምዕቡልን ነብሱ ዚኽኣለ መድርኽ-ኮምፕዩተር (ከም ሓውሲ ዉላድ-ፈይስቡክ ክጽዋዕ ዝከኣል ኣግልግሎት ኣለዎ) ቋንቋታት ትግርኛ ዘቀራርብን ብቅጽበት ዝትርጕምን ዓቢይ ኩሉ-ሓቈፍ ማህደረ-ቃላት፡ ኣብ ናይ ኢንተርነት ራድዮ ቴክኖሎጂ'ውን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ'ዩ - በብዓይነቱ መደባት ብምድላው ንተኸታተልቲ ኣብ ክቢ ስድራ-ቤት ዘትኰሩ ግሩም ዝዀኑ መዘናግዕን መሃርትን ምርኢታት ከቕርብ ከኣለ።

ብዓቢኡ፡ ኣዝማሪኖ ንሓይሊ ድምጽን ኣሳእልን ቈሪኑ፡ ብሰሓቢ ኣገባብ ንበጻሕቲ ኣዝማሪኖ ብሙዚቃ፡ ኣስተምህሮ፡ተዋስኦን ከአንግድ ክኢሉ'ዩ። ናይ ራድዮ መደባት ብምድላው ድማ ነቶም ስዒቦም ዝተተኽሉ ደምበታት ኢንተርነት ኣብነት ብምዃን ኣዝማሪኖ መገዲ ፈጠረሎም፣ እንሆ ኸኣ ኣብ ዩትዩብ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መደባት ማዕቢሎም ይረኣዩ።

ናብ ፊደልን ቋንቋን ትግርኛ ክንምለስ፡ እቶም ብድፍኢት ኮምፕዩተር ፊደል ዝቘጽሩ ቈላዑ ብዙሕ ከሲቦም'ዮም ክንብል ንኽእል። ብሕልፊ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቈላዑ ኤርትራ።

ኣብ ኤርትራኸ?"ብኮምፕዩተራት ዝተደገፈ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብትሑት መጠን'ኳ እንተተኣታተወ፡ ብግቡእ ንኽትኣታቶ እዋኑ ሓሊፉዎ'ዩ" ይብል ተስፋልደት።

"ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዜርካ-ዜርካ እንተ ተዓዘብካ ብዙሕ ከም ዝሰጐሙ ክትርኢ ይከኣል፣ ኣባና ግን ገና ጻዕሪ የድልዮ" ይብል።

ፈለማ መንግስቲ ኤርትራ ንከም ተስፋልደትን መሰልቱን ዝኣመሰሉ ፈላጣት ኮምፒዩተር ዓቕሚ ህዝቢ ንኸማዕብሉ፡ ክምህሩን ከነቓቕሑን፡ ብፍልጠት ቴክኖሎጂ ክመርሑን ዕድል ክህቦም የድሊ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ዝርጋሐ ኢንተርነት እንተ ዘመሓይሽ፡ ርክባት ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ እንተ ዘመሓይሽ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብያት ትምህርቲ ሓንቲ ወይ ክልተ ንመምሃሪ ዝዀና ኮምፕዩተራት እንተዝተኣታተዋ መንእሰያት ምተማህሩ - ሃገር ከኣ ምበልጸገት" ይብል ተስፋልደት።