''ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብዙሕ ተማሂረ እየ” ዶናልድ ትራምፕ

ኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ።

ቅድም ክብል ኣበየናይ ብርኪ ሕማም ከምዝርከብ ንብዙሓት ከዘራርብ ዝፀንሐ እቲ ፕረዝደንት፡ ሎሚ ሰኑይ ካብ ሆስፒታል ክወፅእ ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

መጠን ኦክስጅኑ ክልተ ግዘ ኣንቆልቂሉ ዝነበረ ትራምፕ፡ ስተሮይድ ዝተበሃለ መድሓኒት ክወሃቦ ግድን ኮይኑ እዩ።

ትራምፕ፡ ቀለልቲ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ከምዘርኣየ ዝገለፀ ዋይት ሃውስ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ መጠን ኦክስጅኑ ክልተ ግዘ ምውራዱ ስዒቡ፡ ሓገዝ ኦክስጅን ከምዝተውሃቦ ኣረጋጊፁ።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ገይሩ፡ ትሚሊ ሰንበት ንደገፍቱ ሰላም ንምባል ብሃንደበት ኣብ ህዝቢ ዝተርኣየ ትራምፕ፡ እዚ ተግባሩ ነቐፌታ ኣስዒብሉ።

ወሃቢ ቃል ዲሞክራትስ ሃኪም ጀፍሪስ፡ “ልዕሊ 205 ሽሕ ኣሜሪካውያን ሞይቶም እዮም። ኣመራርሓ’ምበር፡ ስእሊ ዝሰኣል ኣይኮነን ዘድልየና” ብምባል ንተግባር ትራምፕ ተቓዊምዎ።

ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከምዝወሃብ ብሰሞያ ዝግለፅ መድሓኒት ስተሮይድ ዴክሳሜታዞን ተዋሂቡ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ።

ይኹን’ምበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ጥንካርኡ ንምርኣይ፡ ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ እናሰርሐ ዘርእይ ስእልን ናይ ቪድዮ መልእኽትን ብትዊተር ኣቃሊሑ።

“ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብዙሕ ተማሂረ እየ። ብተግባር ናብ ቤት-ትምህርቲ ከይደ እየ ተማሂረ። እዚ ሓቀኛ ቤት-ትምህርቲ እዩ እዚ መፅሓፍ ነንብብ ዝበሃለሉ ቤት-ትምህርቲ ኣይኮነን። ረኺበዮ፡ ካብኡ ድማ ተረዲአዮ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ ብዛዕብኡ ድማ ከፍልጥኩም እየ” ብምባል፡ ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ከምዝተቐየረ ዘመልክት መልእኽቲ ገሊፁ።

ትራምፕ ኣብቲ 3 ሕዳር ዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ፡ ምስ መነሓንሕቱ ጆ ባይደን ክወዳደር እዩ።