እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ ዝቐልጠፈ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሰረሐት ገሊጻ
ናይጀርያ ኣብ ውሽጢ 40 ደቒቕ ውጽኢት መርመራ ዝነግርን ንምምርማር ብዙሕ ሞያዊ ዓቕሚ ዘይሓትትን መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሰረሐት ገሊጻ፡፡
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኦሉሩኒምበ ማሞራ፡ እቲ ናይጀርያ ዝሰርሓቶ መመርመሪ፡ ካብቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ መመርመሪ ፒሲኣር ቅልጡፍን ዋግኡ ድማ ብ 10 ዕጽፊ ዝነኣሰ ከምዝኾነን ገሊጹ፡፡
እቲ ገና ብተቖጻጸርቲ ኣካላት ዝረገጋጽ መመርመሪ፡ ንትሑት ዓቕሚ መርመራ እታ ሃገር ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡
እቲ ‘ሳርስ-ኮቭ-2 ኣይዞተርማል ሞለኪዩላር ኣሰይ’ ዝብል መጸውዒ ዝተውህቦ መሳርሒ ኮሮናቫይረስ፡ ብትካል ምርምር ሕክምና ናይጀርያ ዝማዕበለ ከምዝኾነ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡
ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናይጀርያ ቦስ ሙስጦፋ፡ ድማ ነቲ መመርመሪ መሳርሒ እታ ሃገር ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ዘበርከተቶ ምህዞ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ፡ እቲ መሳርሒ ፍቓድ ምስረኸበ ቀልጢፉ ናብቲ ማሕበረሰብ ከምዝከፋፈል ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡
ኣስታት 200 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ፡ ዛጊድ ልዕሊ 500 ሽሕ ምርመራ ኣካይዳ ኣላ፡፡
ኣብታ ሃገር ልዕ 58 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ ልሊዕ 1000 በጺሑ ኣሎ፡፡
ቁጽሪ መዓልታዊ ዝልከፉ ሰባት ግን ይንኪ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡