ኮሮናቫይረስ፡ ብኮቪድ-19 ህይወቱ ዝሓለፈ ከንቲባ ሮማኒያዊት ከተማ ኣብ መረጻ ተዓዊቱ

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህይወቱ ዝሰኣነ ከንቲባ ሮማኒያዊት ከተማ ኣብ ቀረባ መዓልታት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረጻ 64 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ኣብ ደቡባዊ ሮማኒያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ዴቨሰሉ ከንቲባ ዝነበረ ኢዮን ኣሊማን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረጻ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ'ሎ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ቡካረስት ህይወቱ ዝሓለፈት እቲ ከንቲባ ስሙ ካብ ዝርዝር ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣይተኣለየን ጸኒሑ።

እቲ ዝርዝር ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣቐዲሙ ስለዝተሓተመ ስሙ ክእለይ ከምዘይከኣለ'ዮም ሰብመዚ ዝዛረቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ ዝሞተ ሰብ ከንቲባ ኮይኑ ክምረጽ ከምዝኸኣለ ኣረዲኦም።

እቶም ሰብመዚ ንሮይተርስ ከምዝገለጹሉ ካልእ ምርጫ ዝካየድ ኮይኑ፤ ብዙሓት ነበርቲ እታ ግዝኣት ድማ ብሞት እቲ ከንቲባ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ናይ መቓብር ቦታ እናተኣኻኸቡ ሓዘኖም ዝገልጹ ከምዘለዉ'ውን ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት የርእዩ።

ሓንቲ ነባሪት "ትኽክለኛ ከንቲባና ነይሩ" ክትብል ንሓደ ጣብያ ቴሌቪዥን ሓሳባ ከምዝሃበት ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

"ንኹሉ ነባሪ እዛ ግዝኣት ብማዕረ ዓይኒ ዝርእይ ነይሩ። ንሕጊ'ውን ተገዛኣይ እዩ። ከምኡ ዝበለ ከንቲባ ኣይርከብን" እውን ኢላ።

ኣብ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ዘገልገለ ኢዮን ኣባል ሶሻል ዴሞክራት ፓርቲ ነይሩ። ትማሊ ድማ 57 ዓመት ምመልኦ ነይሩ።

ከንቲባ ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ካብ ህዝቢ ዝለዓለ ተፈታውነትን ተቐባልነት ምርካቡ ኣብ ዝተጠርነፈሉ ፖለቲካዊ ሰልፊ'ውን ጽቡቕ ስም ክህልዎ ከምዘኽኣሎ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር ከንቲባ ነበር ኢዮን ምስሞተ ኣብ መረጻ ክእወት ከሎ እዚ ተርእዮ ንፈተማ እዋን ኣይኮነን። ኣብ 2008 ኣ.ኣ ኔኩላይ ኢቫስኩ ዝተበሃለ ከንቲባ ብዘጋጠሞ ሕማም ምስሞተ ከንቲባ ሓንቲ ግዝኣት ብምዃን ኣብ መረጻ ተዓዊቱ ነይሩ።