ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ እንታይ ትገብር ኣላ?

ኣብ ክልል ትግራይ ባህላውያን ሓካይም ፈውሲ ኮሮና ኣለና እናበሉ ሰብ የደናግሩ ከምዘለዉ ዝገለጸ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ገደፋይ፡ ሰብ በቲ ምድንጋር እንከይተዓሸወ ማዕዳ ሓካይም ጥራይ ክሰምዕን ክትግብርን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።