ኣብ ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ፍልልያት ተፈጢሩ?

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed/Twitter
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ መስከረም ዕላዊ ዝተገበረ ሓድሽ ናይ ወረቐት ገንዘብ፡ ንኣገልግሎት ምቹእን ንነዊሕ እዋን ከም ዘገልግልን ኮይኑ ከምዝተሰርሐን'ኳ እንተተገለጸ፡ ካብ ተጠቀምቲ ግን ገለ ቅረታታት ይስምዑ ኣለዉ፡፡
ከምቲ ቅድም ክብል ብሄራዊ ባንኪ ዝገልጾ ኣብቲ ሓድሽ 100ን 200 ምኢትን ቅርሺ ዝተዘርገሐ መስመር፡ ብማእከል እቲ ኣንበሳ ኣይሓልፍን፡፡
ኣብ ገሊኡ ብእዝኒ እቲ ኣንበሳ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣንበሳ ተሰሚሩ ይረአ፡፡
እቲ ንጥብጣብ ድማ ገሊኡ ካብ ጫፍ እቲ ቅርሺ፡ ገሊኡ ድማ ቁሩብ ትሕት ኢሉ እዩ ዝጅምር፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ናይ ሓሶት እዩ ዝብል ወረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክላባዕ ቀንዩ፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዳይረክተር ምምሕዳር ከረንሲ ብሄራዊ ባንኪ ኣቶ ኣበበ ሰንበቴ ግና እቲ ኣብቲ ሓድሽ ወረቐት ገንዘብ ዝረኣ ዘሎ ፍልልያት፡ ቀሊል ናይ ሕትመት ጸገም እንበር ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ከምዘይኮነ ገሊጹ፡፡
እዚ ፍልልይ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ዘምጸኦ ፍልልይ ከምዘየለ እውን ይዛረብ፡፡
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ሓድሽ ቅርሺ ንድሕነት ተባሂሎም ኣብ ዝተቐመጡ ምልክታት ዝተወሰነ ፍልልያት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ፡፡
ብዝተወሰነ መልክዑ መስመራት ካብ ቦተኦም ክንቀሳቐሱ ከምዝክእሉ ብምግላጽ ድማ ''እቲ ናይ ሕትመት ጸገም እንተዘየጋጥም ይምረጽ፤ ግና ኣየጋጥምን ድማ ኣይበሃልን'' ኢሉ፡፡
እዞም ምልክታት ኣብቲ ሓድሽ ቅርሺ ክሳብ ዝሃለዉ፡ ከምዓብዪ ጸገም ክውሰድ ከምዘይክእል ይዛረብ፡፡
ብሄራዊ ባንኪ ነቲ ጸገም ኣቐዲሙ ከምዝረኣዮ ዝገልጽ ኣቶ ኣበበ፡ ነቲ ፍልልያት ብዝተኽኣለ መጠን ከጽብብዎ ከምዝሓበሮም ገሊጹ፡፡
ኮይኑ ግና ናብ ሕትመት ምስኣተወ እቲ ምዝባዕ ከምዝተፈጠረ ወሲኹ ዝሓበረ ኣቶ ኣበበ፡ እቶም ናይ ድሕነት ምልክታት ምስቲ ወረቐት ዝተሰርሑ እምበር ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ 50 ን 100ን፡ ዳሓር ኣብ ልዕኡ ዝተለጠፉ ከምዘይኮኑ ኣረዲኡ፡፡
እቲ ቅርሺ ኣብ ብርሃን እንትረአ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ቀጥ ኢሉ ዝወርድ መስመር ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ኣበበ፡ ኣመሳሲሎም ዝሰርሑ ሰባት ነቲ ምልክት ክሰርሕዎ ከምዘይክእሉ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ናይ መስመር ምዝባዕ ኣብ ኩሉ ዘይኮነስ ኣብ ዝተወሰኑ ናይ ሓደ ምኢቲ ወረቓቕቲ ከምዘጋጠመ ይገልጽ፡፡
እቲ ካሊእ ጸገም ኣብ ናይ ክልተ ሚእቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ዝረኣይ ናይ እንግሊዝኛ ፊደላት 'ጌጋ' ዝመስል እዩ፤ ኣብቲ ወረቐት ዘሎ 'ዲ'፡ ፊደል 'ኦ' መሲሉ እዩ ዝረአ፡፡
እዚ ድማ በቲ ዝተመረጸ ፎንት ከምዝኾነን ንተጠቀምቲ ብዘጋግይ መልክዕ ከምዘይተቐመጠን ምስቲ ቅድም ዝነበረ 100 ዝመሳሰል ከምዝኾነን ኣቶ ኣበበ ተዛሪቡ፡፡
ክልተ ምኢቲ ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ፊደልን ቁጽርን ብትኽክለ ከምዝተጽሓፈን፡ ኣብ ተጠቃሚ ዘምጸኦ ጸገም ከምዘየለን ውሲኹ ገሊጹ፡፡
ምርኣይ ንዘይክእሉ ዝተዳለወ ነጠብጣብ
ኣብቲ ዝጸንሐን ኣብቲ ሓድሽን ዝድህሰሱ ምልክታ ከምዘለዉ ዝገልጽ ፕረዚደንት ብሄራዊ ማሕበር ዓይነ ስውራን ኣቶ ወሰን ኣለሙ፡ እቲ ሓድሽ ዝሓሸ ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡
እቶም ምልክታት ብየማናይን ጸጋማይን ጫፋት ከምዘለዉን፡ እቲ ብሄራዊ ባንክ ከምዝገለጾ ነጠብጣባት ካብ 10 ቅርሺ ጀሚሩ ክሳብ ክልተ ምኢቲ ቅርሺ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ፡፡
ኮይኑ ግና እቶም ምልክታት ብጣዕሚ ዝተጸጋግዑ ስለዝኾነ ብኢድ ንምፍላይ ከምዘጸግሙ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ እቶም ቅርሺታት ንምፍላይ ስፍሓትን ቁመትን ይጥቀሙ ከምዝነበሩን ናይ 100ን 200 ኣፈላላዮም ኣዐርዩ ንእሽተይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ናብቲ ባንክ ዝመጸ ርእይቶ ከምዘየለ ዝገልጽ ኣቶ ኣበበ፡ እቶም ዝተቐመጡ ምልክታት ካልኦት ሃገራት እውን ዝጥቀሙሎም ከምዝኾኑ ገሊጹ፡፡
እቲ ቴክኖሎጂ ብትኽክል ዓይነ ስውራን ክጥቀሙሉ ተባሂሉ ከምዝተሓረየን ኣብ ናይ ሚእቲ ሽዱሽተ፡ ኣብ ናይ ክልተ-ሚእቲ ሸሞንተ ምልክታት ከምዝተቐመጡ የረድእ፡፡
ናይ ገንዘብ ሕትመት ምስጢራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዝካየድ ዝገልጽ ኣቶ ኣበበ፡ ኣብቶም ጉድለታት ዝመጹ መአረምታታት ብኸይዲ ከምዝዕረዩ ሓቢሩ፡፡
ኣብቶም ኣቕራሽ ዘለዉ ናይ ድሕነት ምልክታት እንታይ እዮም?
እቶም ሓደሽቲ ኣቅራሽ፡ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ስኑዓት ኣቕራሽ ንምክልኻልን ንምፍላይን ብዘኽእል መገዲ፡ ናይ ድሕነት ምልክታት ክህልዎም ተገይሩ እዩ፡፡
ዓይነ ስውራን እውን ዳህሲሶም መጠን እቶም ኣቕራሽ ንምፍላይ ዘኽእል ምልክት ኣለዎ፡፡
ብተመሳሳሊ እቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ንላዕልን ንታሕትን ዝንቀሳቐስ፡ ዘንጸባርቕ ምልክት ድሕነት ከምዘለዎ ተገሊጹ፡፡
ብመሰረት ገለጻ እቲ ብሄራዊ ባንክ፡ እቶም ሓደሽቲ ኣቅራሽ ዝሽክርከር ደሚቕ ሕብራዊ ኮኾብ፣ ሓድሽ ናይ ድሕነት ፈትሊ፣ ብደገን ብውሽጥን NBET፣ ኢብባን ዓይነት እቲ ገንዘብን ተጻሒፍዎ ኣሎ፡፡
ናብ ብርሃን ገጽ እንተረአ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ላዕላይ ዘሎ ምስሊ፡ ፍዝዝ ዝበለ ማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ምልክት ከምዘለዎ ተሓቢሩ፤ብተመሳሳሊ ብድሕሪት'ውን ምስቲ ብድሕሪት ዘሎ ምልክት ፍጹም ተመዓዳደውቲ ኮይኖም ይዓርፉ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ምስሊ እቲ ኣንበሳ ጨረር ኣልትራቫዮለት እትዓርፍ፡ ናብ ቢጫ ሕብሪ ዝልወጥ ፍሎረሰንት ምልክት ከምዘለዎ ተሓቢሩ፡፡
እቲ መተዓዳደጊ ቅርሺ ኣብ ምቕያር፡ ንሕትመት ጥራሕ 3 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገበረ ተገሊጹ፡፡
ሕብሪ እቶም ቅርሺታት ድማ፡ ናይ 200 ብር ወይናይ፣ ናይ 100 ብር ሃሳስ ሰማያዊ፣ በዓል 50 ብር ቀይሕ ኣራንሸዋይ፣ በዓል 10 ድማ ሓምላይ ሕብሪ ኣለዎም፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







