ብሪጣንያ፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ናይ ወረቐት ገንዘብ ናብ ድኹዒ ክትቅይር እያ

ምንጪ ስእሊ, Bank of England
ሎሚ ኣቕሓ ሸሚትኩም ወይ ኣገልገሎት ረኺብኩም እትኸፍልዋ ናይ ዕስራ ፓውንድ ወረቐት ገንዘብ፡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ናብ ድኹዒ ክትቅየር ትኽእል እያ።
ባንኪ እንግሊዝ፡ ናይቲ ትማሊ ሓሙስ፡ ብፖሊመር ዝተቐየረ፡ 40 ቢልዮን ዋጋ ዘለዎ ናይ 20 ፓውንድ ወረቐት ቅርሺ፡ ምውጋድ ጀሚሩ።
እቶም ኣስታት ክልተ ቢልዮን በዝሒ ዘለዎም ወረቐታት ቅርሺ ንሓመድ መደንፍዒ ንዝኸውን ድኹዒ መስርሒ ክውዕሉ እዮም።
እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ቅርሺ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝዓበየ ናይ ቅርሺ ለውጢ እዩ።
እቲ ምስሊ ሊቅ ስነ ቑጠባ ኣዳም ስሚዝ፡ ዘለዎ ነባር ቅርሺ 20 ፓውንድ፡ ናብ ባንኪ ወይ ፋይናንሳዊ ማእከላት እንተኣትዩ መሊሱ ኣይወጽእን።
እቲ ነባር ቅርሺ ቀስ ብቐስ ካብ ዕዳጋ ዝወጽእ ኮይኑ፡ እኹል መጠን ምስተኣከበ ግን እቲ ባንኪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ገደብ ብምሃብ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ክወጽእ ከምዝገብር ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ 2007 ኣምፈ ምስሊ ኤድዋርድ ኢልጋር ዝሓዘ ወረቐት 20 ፓውንድ፡ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ንምውጻእ ሰለስተ ዓመታት ወሲዱ ነይሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







