ንእሽቶ ሓው ንቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ጆ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒሰተር ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተሓጽዩ ዝነበረ ጆ ጆንሰን

ጆ ጆንሰን፡ ንእተሽተይ ሓው ንቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ጥቕምታት ስድራቤት ምስ ሃገራዊ ረብሓታት ተጸባኡኒ ኢሉ፤ ካብ ሚኒስትርነትን ኣባልነትን ባይቶ እታ ሃገርን ንዓርሱ ኣግሊሉ።

ሚኒስተር ቢዝነስን ናይቲ ባይቶ ተጸዋዕን ዝነበረ ጆ ጆንሶን፡ ንደቡብ- ምብራቕ ለንደን ወኪሉ፡ ኣባል'ቲ ባይቶ ኾይኑ ዝጸንሐ እንትኸውን፡ ድሌታት ስድራ ምስ መንግስታዊ ሓላፍነት ከተዓርቕ ኣይከኣልኩን ኢሉ እዩ ካብ ሓላፍነቱ ዝለቅቕ ዘሎ።

እቲ ሚኒስተር፡ ብ2016 ኣብ ዝተኻየደ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ምጽናሕ ወይ ምልቃቕ [ብሪክዚት] ዝብል ህዝበ ውሳነ እንትካየድ፡ ኣባል እቲ ባይቶ ኾይኑ ዝቐጸለ እንትኸውን፡ ሓው፡ ኣብዚ ሕዚ ቀዳማይ ሚንስተር ቦሪስ ጆንሰን ግን፡ ነቲ ሕብረት ለቒቕካ ምውጻእ ዝብል ጎስጓስ መሪሑ ቀጺሉ ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ተሬሳ መይ ኣብ ጉዳይ ብረክሲት ዝሓዘቶ ቅዋም ብምቅዋም ካብ ሚኒስተርነቱ ለቒቑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ዓቀባዊ ሰልፊ ንዓብይ ሓው ቦሪስ ጆንሰን፡ ከም መራሒኡ ገይሩ እንትመርጾ፡ ጆ ጆንሰን ተመሊሱ ናብቲ መንግስቲ ኣትዩ ነይሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሓደ ወሃቢ-ቃል፡ ሚኒስተር ጆ ጆንሰን ንፉዕን ብሉጽን ሚኒስተር ስለዝነበረ፡ ንዘበርከቶ ኣገልግሎት፡ እቲ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣፍልጦ ሂቡ፡ ኣመስጊኑ ከፋንዎ ይግባእ ክብል ጽሒፉ።

እቶም፡ ወኪሎም ገይሮም ዝመረጹዎ ድማ ካብኡ ዝሓሸ ወካሊ ክረኽቡ እዮም ዝብል እምነት ከምዘይብሉ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ሓላፊት ጉዳያት ሰልፊ ሸቃሎ ኣንጌላ ራይነር ግን፡ "ቦሪስ ንኹሉ ሰብ እዩ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ። ካሊእ ተሪፉ ሓው'ውን ክኣምኖ ኣይከኣለን" ኢላ።

ካሊእ፡ ሓፍቲ ጆ ጆነሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስን ዝኾነት፡ ራቼል ጆንሰን ብወገና፤ "ብፍላይ ብረክሲት ከም ርእሰ ጉዳይ ኣብ ገዛና ኣልዒልና ካብ ምዝርራብ ተቖጢብና ኢና ዘለና፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕንቅፋት ካብ ምዃን" ኢላ።

ሰለስተ ኣሕዋት ራቼል [ጸጋም]፡ ቦሪስን ጆ ጆንሰንን [የማን]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆ ጆንሶን [የማናይ] ብብዙሓት ንፉዕ ሚኒስተር፡ ተባሂሉ ዝምጉስ እዩ።

ጆ ጆንሰን፡ ሓው ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ቅድም ክብል ይገብሮም ኣብ ዝነበረ ጎስጓሳት ዛዕባ ብረክዚት፡ ደጋገሙ ይርከብ እዩ ነይሩ ተባሂሉ።፥

ብፍላይ ኣብ 2013 ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ቦሪስ፡ ንንእሽተን ሓው ጆ ኣመልኪቱ ንሓደ ጋዜጣ ኣውስትራልያ ፡ "ሓወይ ብጣዕሚ ንፉዕ እዩ" ብምባል ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምዃን ተኽእልኡ ልዑል ከምዝኾነ ገሚቱ ነይሩ።