ባይቶ ዓዲ-እንግሊዝ ክድስክል ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ጠሊቡ

ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ባይቶ እንግሊዝ (ብሪጣንያ) ክዕጾ ወግዓዊ ጠለብ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣቕሪቡ።

ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር፡ ኣብ ክረምቲ ጸኒሖም ኣብ መስከረም ናብ ስራሖም ኣብ ዝምለስሉ እዋን'ዩ፡ ካብ ስርሖም ደስኪሎም ክጸንሑ ሓድሽ መንግስቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ወሲኑ ዘሎ።

እቲ ውሳነ፡ ንንግስቲ እታ ሃገር፡ ብ14 ጥቅምቲ መደረኣ ንባይቶ ጎይቶትን (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ባይቶ ወከልቲ ህዝብን (ሃውስ ኦፍ ኮመንስ) ከተስምዕ ምእንቲ ዝተወስደ ምዃኑ ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ካብ መጀመርታ መስከረም ክሳብ 14 ጥቅምቲ ፓርላማ እታ ሃገር ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ክጸንሕ'ዩ።

ይኹን 'ምበር፡ ድሮ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ።

ኣፈጉባኤ ናይቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ጆን በርኮው፡ እቲ ውሳነ "ቅዋማዊ ብድዐ" ክብል ገሊጽዎ።

መራሒ ሰልፊ ሸቃሎ ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ "ዘቖጥዕን ንደሞክራሲና ኣብ ሓደጋ ዘእቱን'ዩ" ብምባል ነቲ ስጉምቲ ከም ዝነጽጎ ተዛሪቡ።

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝድይበሉ እዋን፡ ውጥን ናይቲ መንግስቲ ናብቲ ናይ ሓባር ባይቶ ምቕራብ ዝተለምደ'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ እቲ ባይቶ ዋላ ንመዓልታት ክድስክል ይኽእል'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ስልጣን ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ ሓድሽ ኣጀንዳ ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ መደረ ናይታ ንግስቲ ከም ዘድልዮ ተዛሪቡ። ዋላ'ኳ ንሱ ይኹን እታ ቅድሚኡ ነቲ ቦታ ሒዛቶ ዝነበረት ተሬዛ መይ ኣባላት ሓደ ሰልፊ እንተኾኑ- ዓቃባዊ ሰልፊ።

ምዕጻው ባይቶ ኣካታዒ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታትን ገለ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊን፡ ነቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወጢንዎ ዘሎ፡ እንግሊዝ ዋላ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውጻእ መደብ ንምብርዓን ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ እዋን ብምዃኑ'ዩ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ቀንዲ ደጋፊ ብረክዚት ምዃኑን፡ ብሰንኩ ኣብ ስልጣን ዝመጸን መራሒ'ዩ። እቲ ሕብረት ሓድሽ ስምምዕ ድሉው ክገብር እንተ ዘይኪኢሉ ድማ፡ ብ31 ጥቅምቲ ብሪጣንያ ስምምዕ ይገበር ኣይገበር ካብቲ ሕብረት ክትወጽ'ያ ዝብል መርገጺ ሒዙ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ሰልፊ ዕዮን ካልኦት ሰልፍታትን ድማ፡ እዚ ውሳነ'ዚ ንቁጠባዊ ርብሓታት እታ ሃገር ዝሃሲ ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ። ንውሳነ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ደው ንምባል ድማ፡ ሓድሽ ሕጊ ከጽድቑ'ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፡ መራሕቲ ዝበዝሓ ኣብ ቲ ባይቶ ውክልና ዘለወን ሰልፍታት ብኣላይነት መራሒ ሰልፊ ዕዮ ጀረሚ ኮርቢን ኣኼባታት ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ።

ነዚ ንምግባር ግን፡ እቲ ባይቶ ክእከብ ኣለዎ። እንተ ድኣ ተዓጽዩ/ደስኪሉ ግን ዝኾነ ሕጋውነት ክህልዎ ኣይክልን። መንግስቲ ንዝተወሰነ ግዜ ነቲ ፓርላማ ከደስክሎ (prorogation) ስልጣን ኣለዎ።

ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጆን በርኮው፡ እቲ ስጉምቲ እቲ ባይቶ ንጉዳይ ብረክዚት ከይካታዓሉን ውሳነ ከይህበሉን ዝተወስደ "ሓደገኛ" ስጉምቲ'ዩ ክብል ነቒፉ።

ዓቃባዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ሜጀር ብወገኑ፡ ነቲ ውሳነ ደው ንምባል ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ። ድሮ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ይካታዓሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ፓርላማ እንተድኣ ተዓጽዩ፡ እቶም ን"ብረክዚት ብዘይስምምዕ" (ኖ ዲል) ዝቃወሙ ኣባላት ነቲ ፍትሕ ንምብርዓን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እኹል ግዜ ኣይክረኽቡን'ዮም።

ሓደ ካብ ውጥናት ናይቶም ተቓውምቲ ኣባላት ባይቶ፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅቡልነት ክስእን ብምግባር (ቮት ኦፍ ኖ ኮንፊደንስ) መንግስቱ ኣፍሪሶም፡ ንመራሒ ሰልፊ ዕዮ ንግዚኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝኸውን ብምግባር፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ምጽዋዕ'ዩ።

በታ ንግስቲ ዝቐርብ ፓሊሲ በቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝዳሎ ኮይኑ፡ ልኡላዊት መራሒት እታ ሃገር ብምዃና ንኽብሪ ዝግበር 'ምበር፡ ነገስታት ኣብ ፓለቲካ እታ ሃገር ኢዶም ኣየእተውን እዮም።