እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ካርዲናል ቫቲካን ብሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ተገዲዱ ስርሑ ከምዝገደፈ ገሊጹ
ሃንደበት ካብ ሓላፍነቱ ዝወረደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቫቲካን፡ ካርዲናል ጆቫኒ ኣንጀሎ በቺዩ፡ ሓላፍነቱ ክገድፍ ብሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ከምዝተነገሮ ተዛሪቡ፡፡
ናይ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ንኣሕዋቱ ብምሃብ ከምዝተጠርጠረ ዝገለጸ ካርዲናል በቺዩ፡ ነቲ ተግባር ከምዘይፈጸሞ ሓቢሩ፡፡
ናይ ቀረባ ተሓጋጋዚ ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝነበረ ካርዲናል በቺዩ፡ ቅድም ክብል እውን ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ቫቲካን ኣገዳሲ ስራሕ ዝነበሮ እዩ፡፡
እቲ ካርዲናል ኣብቲ ብገንዘብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ለንደን ክቡር ህንጻ ክግዛእ ዝተገበረ ኣዘራራቢ ውዕል ኢድ ዝነበሮ ኮይኑ፡ እቲ ስራሕ ገንዘባዊ መርመራታት ክግበረሉ ጸኒሑ እዩ፡፡
ንዕድጊ እቲ 200 ሚልዮን ዩሮ ዝወደአ ህንጻ፡ ካርዲናል በቺዩ እዩ መሪሕዎ፡፡
ኣብ ቫቲካን ክንድዚ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብፍቓዶም ሓላፍነቶም ክገድፉ ልሙድ ኣይኮነን፤ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እውን ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ብካርዲናል በቺዩ ዝቐረበ ሕቶ ስልጣን ምግዳፍ ከምዝተቐበሎ ጥራሕ እዩ ዝገልጽ፡፡
እቲ ወዲ 72 ዓመት ካርዲናል ግና፡ ገንዘብ ቤተ ክርስትያን ንኣሕዋቱ ከምዝሃበ ስለዝተጠርጠረ ሓላፍነቱ ክገድፍ ጸቕጢ ከምዝተገበረሉ ዶማኒ ንዝተብሃለት ድሕረ ገጽ (ማሕበራዊ ሜድያ) ኢጣልያ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ዋላ ሓንቲ ዩሮ እውን ኣየልዓልኩን፡፡ ዝተገበረለይ መርመራ እውን የለን፤ እንተ ተኸሲሰ ግን ንባዕለይ ክከላኸል እየ’’ ኢሉ፡፡
‘‘ነቲ ሊቀ ጳጳስ፡ ንምታይ ኢኻ ዓለም እናረኣየ ከምዚ እትገብረኒ ዘለኻ? ኢለ ሓቲተዮ’’ ዝብል ካርዲናል በቺዩ፡ አቲ ቅዱስ ኣቦ ንኣሕዋትካን ንስራሕቶምን ብናይ ቤተክርስትያን ገንዘብ ጠቒምካዮም ኢኻ ከምዝበሎን እንተ ንሱ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘየለን ሓቢሩ፡፡