መረጻ 2013፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ መረጻ ንክካየድን ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱን ወሲኑ

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝጸንሐ ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ወሲኑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዝጸወዖ 5ይ ዓመት ራብዓይ ናይ ስራሕ ዘመን ህጹጽ ኣኼባ፡ ትካል ጥዕና ዓለምን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብመሰረት ዝሃቡዎ ምኽረ ሓሳብ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዝከላኸሉ ስጉምታት ብምውሳድ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ወሲኑ።

እዚ ውሳነ ብሓደ ተቓውሞን ሸሞንተ ድምጺ ተዓቅቦን ከም ዝጸደቐ ካብቲ ባይቶ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ እቲ ባይቶ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ተኸልኪሎም ዝጸንሑ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ክጅመሩን ዝተዓጸው ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱን ወሲኑ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብ8 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ጥንቃቐ ብምግባር መረጻ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምኽረ ሓሳብ ከም ዘቕረበ ይዝከር።

ካብዚ ብምብጋስ መረጻ ንክካየድ ምድላው ክጅመር ቐዋሚ ኮሚቴ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ክውስን እንከሎ፡ መዓዝ ከም ዝካየድ ግን ኣይገለጸን።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ባይቶ ሹመት ኣርባዕተ ሚኒስትራትን ዳያኑን ኣጽዲቑ።

በዚ መሰረት ዶ/ር ቀነዓ ያዴታ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር፣ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ዓቃቤ ሕጊ ፌደራል፣ ዶ/ር ሳሙኤል ሁርቃቶ -ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፣ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳድን ኮይኖም ሹመቶም ጸዲቑሎም።

ብተወሳኺ ሹመት 40 ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን 50 ቐዳማይ ቤት ፍርድን ኣጽዲቑ።