ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ተፈናቒሎም - ኣይ ኦ ኤም

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት - ኣይ ኦ ኤም - ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ወርሒ ዝወጸን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዝተወሃቦ ዝተገለጸን እዚ ጸብጻብ፡ ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ዝነበረ እዋን ንዝተኣከበ መረዳእታ ጥራይ መሰረት ይገብር።

እቲ መረዳእታ ካብ 1200 ግዚያዊ መጽለሊ ተፈናቐልቲ ከምኡ'ውን ካልኦት ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰባት ዝተመለሱሎም 1200 ቦታታት ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ'ሎ።

እቶም ዜጋታት ንኽፈናቐሉ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ጎንጽታት ክኾኑ ከለዉ፤ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ሚልዮንን 233 ሽሕን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም'ዮም።

እቲ ካልኣይ ዓብዪ ምኽንያት ድማ ድርቂ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 351 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ብሰንኪ ውሕጅ ዝተፈናቐሉ ድማ ልዕሊ 104 ሽሕ 690 ሰባት ከምዝኾኑ ይገልጽ።

እቲ ትካል ኣብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ንዝኣከቦ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ከምዝሓበሮ ኣብተን ክልላት ጥራይ ልዕሊ 93 ሽሕን 980 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ካብዚኦም እቶም 66 ሽሕን 994 (71 ሚኢታዊት) ብሰንኪ ጎንጺ ክፈናቐሉ ከለዉ፤ እቶም 26 ሽህን 988 (29 ሚኢታዊት) ድማ ብሰንኪ ውሕጅ ገዝኦምን ንብረቶም ከምዝሰኣኑ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ'ሎ።

ጉዳይ መጠሻ?

ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ተፈናቐልቲ ናብ ዝነበርዎ ህይወት ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተገበረ ጻዕሪ ብዝምልከት እውን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዳህሲሱ ነይሩ። መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ተፈናቐልቲ ናብ ዝነበሩሉ ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 3 ሚልዮን በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ምሉእ ኢትዮጵ ድማ ብሓፈሻ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶን ክምለሱ ተገይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ካብቶም ናብ መረበቶም ዝተመለሱ ዜጋታት እቶም 1 ሚልዮንን 328 ሽሕን 652 (95 ሚኢታዊት) ብሰንኪ ጎንጺ ተፈናቒሎም ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ግዚያዊ ኣተሓባባሪ ኣይ ኦ ኤም ዝኾነት ሳራ ቾንግ "ኣብ ጉዳይ ተፈናቐልትን ተመለስትን ዕሙቕ ዝበለን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ምሃብ ክንቕጽለሉ ኢና" ኢላላ።

እቲ መረዳእታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካልኦት ዘይመንግስታዊ ገበርቲ ሰናይን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝወሃብ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ንቕራብን ፖሊሲ ንምቕራጽን ከምዝሕግዝ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።