"መንግስቲ [ኢትዮጵያ] ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝሓዘሉ ኣገባብ ዘሕፍር'ዩ"

ረፊዩጂ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሸሓት ዜጋታት፡ ናብ ከባቢኦም በስገዳድ ንኽምለሱ ዝግበረሉ ኩነታት፡ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ናብቲ ከባቢ በጺሑ ዝነበረ ኣባል እቲ ትካል ማርክ ያርኔል "ስጉምቲ መንግስቲ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝበለጸ ዘጋድዶ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ዝነበረ ልኡኽ ሪፊዩጂ ኢንተርናሽናል፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ተፈናቐልቲ ናብ ዝነበሩሉ ቦታ ንኽምለሱ የገድድዎም ምህላዎም ሓቢሩ።

ናብቶም ግዝያዊ መፅንሒ ተመዛበልቲ፡ ረድኤት (ሓገዝ) ከይበጽሕ ይገብሩ ከም ዘለዉ'ዩ እቲ ዓለማዊ ትካል ግብረ-ሰናይ ዝገልጽ።

ናብ ከባቢኦም እንተተመሊሶም ረድኤት ከም ዝቐርበሎም ዝተገለጸሎም ተፈናቐልቲ ግን፡ ገዛውቶም በቶም ዝተፈጠሩ ጎንጽታት ምዕናዉን ዘተኣማምን ኩነታት ድሕነት ከም ዘይብሎምን ወሲኹ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ፌደራል ዝተዳለወ ትልሚ ምምላስ ተፈናቐልቲ ግን እቲ ስራሕ "ኣብ ፍቓድ ተፈናቐልቲ መሰረት ዝገብር፣ ድሕነቶም ዝሓለወን ብቐጻሊ ሓገዝ ዝረኽቡሉን" ከም ዝኸውን ተገሊጹ ምንባሩ እቲ ትካል ኣዘኻኺሩ።

ረፊዩጂ ኢንተርናሽናል ከም ዝበሎ፡ መንግስቲ ንተፈናቐልቲ ኣገዲዱ ክምለሱ ይገብር ኣሎ።

እቶም ተመዛበልቲ ኣጽሊሎምሎም ዝነበሩ ቦታታት ብምፍራስ'ውን፡ ንኽምለሱ ጸቕጢ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ይወስዶም ብዘለዉ ስጉምትታት ካብ ምሉእ ዓለም ይውደስ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ናይ ባዕሉ ተመዛበልቲ ዜጋታቱ ዝሓዘሉ መንገዲ ግና፡ "ዘሕፍር ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ካብ ሰብኣውነት ዝወፅአ ተግባር እዩ" ብምባል ኮኒንዎ።

ያርኔል፡ "እዚ መሰረታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሪፊዩጂ ኢንተርናሽናል፡ ሕዚ ይካየድ ዘሎ ናይ ምምላስ ፃዕሪ ፡ ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ፣ ብዘላቕነት ሓገዝ ዝረኽቡሉን ምስ ተመዛበልቲ ብምትሕብባርን ክሳብ ዝኸውን፡ እቲ ምምላስ ደው ንክብል ፀዊዑ።

ቅድሚ ሰሙን ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃበት ፕረስ ሴክሬቴሪ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ቢለኔ ስዩም፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ንምምላስ፡ መንግስቲ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣስታት 875 ሽሕ ዜጋታት ከም ዝተመለሱ ሓቢራ ነይራ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ዝምለስሉ ግዘ፡ ብብርኪ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ንክትግበርን ድሕንነቶም ተሓልዩ ዘድልዮም መሰረተ ልምዓት ተማሊእሎምን ንክኸውን መንግስቲ ከም ዝፅዕር'ውን ኣፍሊጣ ነይራ።