እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣባላት ብሄረ ጉሙዝ ተቐቲሎም
መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ በኒሻንጉል ጉምዝ ዝኾኑ ሰባት "ጃምላዊ ቅትለት" ከም ዝፈጸሙ ኣፈኛ ክልል በቢሻንጉል ገለታ ሃይሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ብዕለት 29 ሚያዝያ (21 ሚያዝያ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንክልተ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ተወለድቲ ጉምዝ ዝቕመጡለን ቁሸታት (ቀበሌታት) ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ፡ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝተቐትሉ እቲ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።
"እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ከይድና ከነጻሪ ስለዘይካልና፡ ብልክዕ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን ኣለና"።
ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ መጥቃዕትታት "80 ዝኾኑ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ወገናት ድማ ፓዊ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ" ይብል ኣቶ ገለታ።
እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ "ባዕሎም ዝተወዳደቡ ዕጡቓት ጉጅለት" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ክልላት ነቲ ግጭት ንምህዳእ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን ኣባላት ፈደራል ፓሊስን ኣብቲ ቦታ ኣትዮም ናይ ምርግጋእ ስርሒታት የካዪዱ ከም ዘለዉ'ውን ጠቒሱ።
እተን ዓድታት "ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንየን'የን ክንብል ንኽእል" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ዝወረደ ዕንወት የረድእ።
"ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ብረት እናበርከተ ምዃዱ ከምዚኦም ዝበሉ ግጭታት ክፍጠሩ ኣኽኢሉ ኣሎ"።
እቲ ግጭት ሕነ ናይቲ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ንሓያሎ ተወለድቲ ኣምሓራ ግዳይ ዝገበረን ኣብ ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈጥረን ሂወት 21 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ'ዩ።
ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ብሄር መሰረት ዝገብረ ሓድሕዳዊ መጥቃዕትታት ገና ከም ዘይዛረየን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገጢምዎ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ይንገር።