ኣመሪካ፡ ሓሙሽተ ዓይነት ፍርያት ቻይና ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላ

ኣመሪካ ካብ ቻይና ዞባ ዚንጃንግ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ዝነበረ ገለ ቀረባት፡ ብግዱድ ዕዩ ዝፈረየ’ዩ ብምባል ናብ ሃገራ ከይኣቱ ክትኽልክል’ያ።

ኣሜሪካ፡ ዞባ ዚንጃንግ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዝኾኑ ኢግሁር ሰብኣዊ መሰላት ትግህስን ኣብ ግዱድ ዕዩ ተዋፍሮምን ኣላ ዝብል እምነት ኣለዋ።

እቲ ካብ ዞባ ዚንጃንግ ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዘሎ ሓሙሽተ ዓይነት ንብረታት ኮይኑ፡ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ክዳውንቲ ክፋላት ናይ ኮምፒተርን ኣርተፊሻል ጸጉርን የጠቃልል።

ምክትል ሴክራታሪ ሆምላንድ ክፍሊ ጸጥታ ዝኾነ ኬኒዝ ኩሲነሊ “እቲ ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ዝካየድ ዘሎ ዓቀኑ ዝሓለፈ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓቐኑ ዝሓለፈ ግብረ መልሲ የድልዩ’ዩ” ኢሉ።

ብምስዓብ “ኣብቲ ቦታ ዘመናዊ ጊላነት’ዩ ዝካየድ ዘሎ” ይብል።

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ይፍጸም ኣሎ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ቻይና ጸቅጢ ንምፍጣር ነዚ ስጉምቲ ከም ዝወሰዶ’ዩ ዝእመን።

ቻይና ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ‘ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ ኢላ ብእትገልጾ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሓይራ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ቻይና ግን ኣብ ሓደ ኣኪባ ትምህርቲ ተቅስሞም ምህላዋን ኣብቲ ተኣኪበምሉ ዘለዉ ሞያዊ ትምህርቲ ትህቦም ምህላዋ’ያ ትገልጽ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተገበረ መጽናዕቲ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ህጻናት ካብ ወለዶም ተፈልዮም ከም ዘለዉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዩ ብሓይሊ መከላኸሊ ጥንሲ ይውሃባ ከም ዘለዋን እዩ ዘርኢ።

ማርክ ሞርጋን ምክትል ኮሚሽነር ኣጀንሲ ምክልኻል ዶባትን ዓማዊልን ኣሜሪካ ኮይኑ ነቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተዋህበ ትእዛዝ “ንዘይሰብኣውነት፣ ግዱድ ዕዮን ምዝመዛን ኣሜሪካ ከም ዘይትጻወር ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ግሉጽ ዝኾነ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኢና ነዚ ውሳነ ኣሕሊፍና” ኢሉ።

ብምስዓብ “ግዱድ ዕዩ ሓደ ካብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት’ዩ፤ እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ንሕና ንኽተሎ ክብርታት’ዩ። ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ'ውን ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን እናኣኽበረ፡ ዕዳጋ ኣሜሪካ ብግዱድ ዕዩ ዝፈረየ ኣቕሓ ክመጽእ ስቅ ኢሉ ዝርኢ ኣይኮነን" ኢሉ።

እቲ ትማሊ ዝወጽአ ትእዛዝ ኣርባዕተ ፋብሪካታትን ሓደ ብዙሕ ዓይነት ዝፈርየሉ ማእከልን ፍርያቶም ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ጠቂሱ’ሎ።

ቻይና መብዛሕትኡ ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ዝፈሪ 20 ሚእታዊት ጠለብ ጡጥ ናይ ዓለም ናብ ዕዳጋ ተቕርብ ሃገር እያ።