እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽልዋ ብረክዚት ኣብ ንግዲ ዕምባባ ኬንያ
ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤዉሮጳ ክትወጽእ እትዳለወሉ ኣብ ዘላ እዋን ነጋዶ ዕምባባ ኬንያ ንዘሎ ምዕባለታት ብረቒቕ ይከታተልዎ ኣለዉ።
ዕምባባ እቲ ዝዓበየ ንግዲ ኬንያ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ንወጻኢ ሃገራት ብምልኣኽ ኣታዊ እታ ሃገር ብዕጽፊ ክብ ከም ዝበለ ይፍለጥ። እዞም ዕምባባታት ኣብ ኔዘርላንድ ብጨረታ ኣቢሎም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ይለኣኹ።
ኣፍረይትን ለኣኽትን እዞም ፍርያት ኬንያ ዉሳኔ ብረክዚት ኣብዚ ንግዲ እንታይ ጽላዋ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ?
ነጋዶ ኬንያ ናብ ሕብረት ኤዉሮፓ ዕምባባ ምስ ዝልእኹ ቐረጽ ኣይከፍሉን'ዮም።እዚ ድማ ብመሰረት ዝተሰመምዕሉ ግዚያዊ ዉዕል ኣብ መንጎ ሕብረት ኤዉሮፓን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቓን ዝተፈራረምሉ ዉዕል እዩ።
ኮይኑ ግን እዚ ግዝያዊ ዉዕል ሰለስተ ኣባላት ዞባታት ምስ ዝፍርማ ቖዋሚ ዉዕል ክኸዉን ይኽእል።
ኬንያ በዚ ዉዕል መሰረት ብዘይ ቐረጽ ምኽፋል ንሃገራት ወፃኢ ትልእኾም ፍርያት ቐጠፍ ሻሂ ፤ ፍረታትን ኣሕምልትን ይኾኑ።
እንግሊዝ ንኩነታት ንግዲ ዕምባባ ኬንያ ስለምንታይ የገድሳ?
ብዕድጊ ዕምባባታት ኬንያ፤ ብሪጣንያ ድሕሪ ነዘርላነድ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትስራዕ ኮይና ንፍርያት ዕምባባታት እታ ሃገር ኣስታት 18 ሚኢታዊት ሰደድ ዝግበረላ እያ።
ብሓፈሻ ድምር ዋጋ ፍርያት ኣገልጉሎትን ንብረትን ኣነጻጺርካ፤ እዚ ኢንዱስትሪ ዕምበባ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምርቲ ኬንያ ኣስታት 1.06 ሚኢታዊት ከም ዘመዝገበ ጸብጻብ ቖንሲል ዕምባባታት ሓቢሩ።
ተወሳኺ፡ እንዱስትሪ ዕምባባ ኬንያ ንኣስታት 100000 ህዝቢ ብቐጥታ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ እንትኸውን፡ ብተዛዋዋሪ ድማ ን2 ሚልዮን ህዝቢ ፍልፍል ስራሕ ክትከዉን በቒዓ ኣላ።
ኮይኑ ግን ብሪጣንያ እታ ቐንዲ ናይ ንግዲ መሻርኽቲ ኬንያ ኢያ። ይኹን እመበር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምንቕስቓስ ንግዲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እናቖልቖለ መጺኡ።
ኣገዳስነት ብረክዚት እንታይ'ዩ?
ዘይምዕሩይ መሰረት ልምዓት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐጥታ ዕምባባታት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ኮይኑ ግን ኣብ በልጂም ከተማ ሊገ ከምኡ'ዉን ኣምስታርዳም ከም ዋና መእተዊ ብምጥቃም ዕምባባታት የብጽሑ ዕብል ሓለቓ ቖንሲል ዕምባባ ኣቶ ክለመንት ቱለዚ።
ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዝመጽእ 29 መጋቢት ካብ ሕብረት ኤዉሮጳ ክትንጸል ትጽቢት ኣብ ዝግበረላ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎአን ናይ ንግዲ ዉዕል ንኽፈራረማ ነጋዶ ዕምበባ ኬንያ ተስፋ ይገብሩ።
እቲ ቐንዲ ሓሳብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዉዕል ንግዲ እዘን ሃገራት ክሳብ 2020ዓ.ም ቐጻልነተን ንምዉሓስ ይደፋፍእ።እዚ ቐጻልነት ምስ ዝህልዎ ንግዲ ኬንያ ከም ቐደሙ ንዕዳጋ ብሪጣንያ ብቐሊሉ ንኽበጽሖ ዕድል ይፈጥር ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ዝግበሩ ዉዕላት ቐስ ኢሎም ይራኣዩ።
መንግስቲ ኬንያ ጠንቂ ኣታዊታቱ ዝጥቀመሎም ሜላታት
ዋና ጸሓፊ ትካል ንግዲ ኬንያ ክሪስ ኪፕቶ "ካብ ንግዲ ዘኾላልፈና ነገር የለን። ምኽንያቱ ብሪጣንያ ብዘሎ ግዚያዊ ዉዕልን ነዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ሕብረት አዉሮፓን ብምጥቃም ክሳብ ታሕሳስ 2020 ክትጸንሕ የፍቕደላ'ዩ "ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ዉዕል ምስ ዘይትግበር ግን ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ፤ንኹላትና ነጋዶ'ዪ ዝጸልወና። ስለዚ ድማ ንነግደሎም ባይታታት ክንፈጥር ክንግደድ ኢና"።
ኣባል ሰበ ስልጣን ብሪጣንያ "ንኬንያ ኣመልኪታሕብረት ኤዉሮጳ ግዝያዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ዉዕል ስለ ዝመስረተት ብዘይ ዝኾነ ለዉጢ ኣፍ ደጌና ክፉት ንምግባርን፤ ከምኡ'ዉን ብዘይ ዝኾነ ቐረጽ ናብዚ ዕዳጋ ከም ቐደመሞም ክኣትዉን ክወጹን ዝኽእልሉ መንገዲ ከነተግብር ንጽዕር ኣለና" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ምብጻሕ ሃገር ኬንያ ቕድም ክብል ቐዳመይቲ ሚኒስተር ተረሳ መይ፤ ፡ ክሳብ'ቲ ብሰንኪ ብረክዚት ዝመጹ ሓደሽቲ ናይ ንግዲ ዉሳኔታት፡ ብመሰረት ግዝያዊ ዉዕል ብዘይ ዝኾነ ቐረጽ ኬንያ ንዕዳጋ ብሪጣንያ ክትኣቱ ፍቓድ ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ።
"ካብ ሕብረት ኤዉሮፓ ምስ ንወጽእ፤ካብ ብሓባር ብሪጣንያ ብዉልቓ ትዉስነሉ መማያየጢ ባይታ እዚ ዉዕል ገፊሕ ዕድል ኢዩ ክህልወና'ዩ"።
ብሪጣንያ ብዘይዝኾነ ናይ ንግዲ ዉዕል ምስ ትወጽእ?
ሽሕ'ኳ ከምዚዓይነት መረጋገጺታት እንተሃለዉ ፤ ብሪጣንያ ብዘይዝኾነ ዉዕል ምስ ትወጽእ እንታይ ክስዕቡ ይኽእሉ ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ።
ብሪጣንያ ምስ ኣስታት 70 ሃገራት ዝኣተወቶም ዉዕላት ንግዲ ካብ ሕብረት ኤዉሮፓ ቕዳሕ ብምዉሳድ ዉሕስነታ ከተረጋግጽ ምዃና ሓቢራ። ኮይኑ ግን ቐጻልነት እዚ ዉዕል ብ 21 ለካቲት ካብ ሃገራት ኣፍሪቓ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ምብራቓዊን ሰሜናዊን ኣፍሪቓ ዝዉክላ ሃገራት ማዳጋስካር፣ ማዉሪሽያስ፣ ሲቸልስን ዚምባቡወን ፈሪማ ነይራ።
ብሪጣንያ ብዘይ ዝኾነ ናይ ንግዲ ዉዕል ምሰ ኬንያ ክሳብ ዘይሃለዋ ብሕጊ መሰረት ዓለማዊ ትካል ንግዲ ዝተወሰነ ቐረጽ ከተተግብር ክትግደድ ኢያ።
ትካላት 'ትረይድክራፍት ኤክስቸንጅ ከምኡ'ዉን ፈየር ትረድ' ኬንያ ዓለማዊ ትካል ንግዲ 8.5-12% ቐረጽ እዚ ማለት ኣብ ዓመት ክሳብ 3.6ሚልዮን ይሮ ክኸፍሉ ክግደዱ ምዃኖም እዘን ትካላት ሓቢረን።
በዚ ጸብጻብ መሰረት፡ ዘሎ ወጥሪ ሰንሰለት ቀረብ ንዉድድር የዉድቖ፡ ንኣታዊኦም ድማ ብኣሉታዊ ይጸልዎ።
ክኢላ ቑጠባ ማእከል ኬንያ ኣንዘትስ ወረ ፤ነጋዶ ዕምባባ ነዚ ሓዲሽ ሜላ ኮነ መንገዲ ልኡኽ ተጠቒሞም ክነግድሉ ዝኽእሉ መንገዲ ክፈጥሩ ዘኽእሎም ዉዕል ብዘይ ምእታዉ ኣብ ግምት ከም ዘይየአተወቶ ሓቢራ።
"ነዞም ሰንሰለት ንግዲ ናብ ንቡር ንምምጻእን ናብ ሓደ ሓበራዊ ዕዳጋ ከም እንደገና ንምምላስን ብርክት ዝበለ ጻዕረን ገንዘብ ክሓትት'ዩ"ትብል።
ንዝተወሰነ እዋን ፤ ብሪጣንያ ብርክት ዝበለ ንግዲ ንምምስራት ነጻ ቐረጽ ዝዓለመ ንግዲ ምስ ሃብቲ ዘለወን ሃገራት ዉዕል ንኸይትምስርተ ትካል ገበርቲ ሰናይ ስግኣት ኣሕዲረን ኣለዋ።
እዘን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ነተን ብቑጠባ ዝተወጸዓ ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ስክፍታ ንኽነግዳ ዝካኣለን ሓገዝ ከወፍያለን ምዃነን ኣተሓሳሲበን።