እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንዚባር፡ ዘሕዝን ዛንታ ልዕልቲ ሳይዳ ሳልመ
እታ ሓንቲ ካብ 36 ደቂ ሱልጣን ዛንዚባር ዝነበረት ሳይዳ ሳልመ ኣብ ዛንዚባር እያ ዓብያ፡ ብጀካ ናጽነት ከኣ ኩሉ ነገር'ዩ ነይርዋ።
እዛ ልዕልቲ፡ ጓል 22 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ካብ ሓደ ጀርመናዊ ነጋዳይ ብዘይ ወግዓዊ ቃል ኪዳን ብምጥናሳ፡ ንሂወታ ፈሪሓ ካብ ተወሊዳ ዝዓበየትላ ሃገራ ዛንዚባር ሃዲማ ወጸት።
እቲ ዘሐዝን ዛንታኣ ንክትጽሕፍ ስለ ዝደፍኣ ታሪኽ ሂወታ ክትጽሕፍ በቒዓ፡ እንተኾነ ዛንታኣ ውሑድ ሰብ'ዩ ዝፈልጦ።
መስራቲ ቤተ መዘክር ልዕልቲ ሳይዳ ሳልመ ኣብ ዛንዚባር ዝኾነ ሰይድ ኢል ገይቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "ሳይዳ ሳልመ፡ ነቲ ዝነበረ ድሑር ኣጠማምታ ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር፡ ምጽሓፍን ምንባብን ዝምሃረት እያ" ይብል።
ሳይዳ ሳልመ፡ ታሪኽ ሂወታ ክትጽሕፍ ዝበቐዐት ፋልመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ምዃና እዩ ዝጥቀስ።
ሳይዳ ሳልመ፡ ቋንቋታት ስዋሂሊ፡ ዓረብ፡ ቱርክን ጀርመንን ክትዛረብ ትኽእል ነይራ።
"ዋላ ኣብ ጀርመን ነቲ ብዛዕባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበረ ግንዛበ ክትብድህ ዝኸኣለት እያ" ይብል ሰይድ ኢል ገይቲ፡ ብምስዓብ ሳይዳ ሳልመ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ንስልቲ ኣነባብራ ህዝብታት ጀርመንን ዛንዚባርን ብዕሙቕ ዝበለ ኣገባብ ክትትንትን ዝክኣለት እያ ይብል።
"ብፍላይ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን ብቑርን ብጥምየትን ኣብ ኣውሮጳ ዝመቱ ዝነበሩ ህጻናት ተኻቲዓ፡ እቲ ቁጽሪ ክንኪ ምግባራ ንኽትድነቕ ደራኺ ግደ ነይርዎ እዩ"
ኣብ ዛንዚባር ዝነበረ ሂወታ
ኣብ 1844 ኣብ ዛንዚባር (ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣካል ታንዛንያ ዘላ ደሴት)፡ ካብ ኣቡኣ ሱልጣን ሳይድ ኢብን ዝተወለደት ሳይዳ ሳልመ፡ ከም ህጻን ኣብ መጀመርታ ፊደላት ዓረብ ክትፈልጥ ዕድል ኣይነበራን፡ ኣብ መበል 11 ዓመታ ዓቢ ሓዋ፡ ማጂድ ንኣቡኡ ካብ ስልጣን ኣልዩ ዙፋን ድሕሪ ምሓዙ ካብ ካልእ ባርጋሃሽ ተቓውሞ ስለ ዝገጠሞ ኣብ ሞንጎኦም ናዕቢ ተላዓለ።
ሳይዳ ሳልመ፡ ከም ካልኦት የሕዋታ ጸግዒ ባርጋሃሽ ብምሓዛ ዋና ጽሓፊቱ ክትከውን በቐዐት።
ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ክኣ ብሓርኮትኮታ ክትጽሕፍን ከተንብብን ብምኽኣላ፡ ናብቶም ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ተኣዘዝታ ደብዳቤ ክትጽሕፈሎም ትኽእል ነበረት፡ እዚ ኩሉ ብዘይ ወግዓዊ ትምህርቲ ዘጥረየቶ ተመክሮ እዩ።
እንተኾነ ሰልጣን ባርጋሃሽ ሓዋ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ስለ ዝተመንዘዐ፡ ሳይዳ ሳልመ ብዓቢ ሃዋ ማጂድ ተማረኸት።
ርክብ ምስ ኣውሮጳውያን
ሳይዳ ሳልመ ብሓዋን በቶም ንማጂድ ክድግፉ ዝጀመሩ ክልኦት የሕዋታን ተነጽሎ ስለ ዘጋጠማ፡ ምስቶም ኣብ ዛንዚባር ዝነበሩ ኣውሮጳውያን ፍሉይ ርክብ ጀመረት።
ኣብ ከተማ ስቶን ዝርከብ መንበሪ ቤት ሳይዳ ሳልመ፡ ምስ ሓደ ሩደልፍ ሄንሪክ ዝተብሃለ ጀርመናዊ ነጋዳይ መንስሰይ ነጸላ መንደቕ እዩ ዝበረ። ድሕሪ መዓልካ ሓደርካ ድማ እዞም ክልተ መንእሰያት ንሓድሕዶም ክፈላልዮም ኣብ ዘይክእል ፍቕሪ ጠሓሉ።
"ፍቕራዊ ርክቦም ኣብ ልዑላዊ ቤተሰብ ዛንዚባርን ኣብቲ ጀርመናዊ ናይ ንግዲ ትካል ኣብ ዛንዚባርን ዓቢ ስንባደን ሕርቃንን'ዩ ፈጢሩ" ይብል መስራቲ ቤተ መዘክር ልዕልቲ ሳይዳ ሳልመ ኣብ ዛንዚባር ዝኾነ ሰይድ ኢል ገይቲ።
" እቶም ጀርመናውያን፡ ሩደልፍ ሄንሪክ ምስ ሳይዳ ሳልመ ፍቕራዊ ርክብ ምጅማሩ ነቶም ብሰናይ ፍቓድ ሱልጣን ንግዳዊ ንጥፈታቶም ዘካይዱ ዝነበሩ ኣውሮጳውያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ዝብል ስግኣት ነይርዎም"።
እዞም ከልተ ፍቑራት ንኸተማ ስቶን ደኣ ይግደፍዋ'ምበር፤ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብሓደ ክኸዱ ይርኣዩ ብምንባሮም፡ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም በቶም ጀርመናውያን ነጋዶ ነቲ ሱልጣን ይሕበሮ ነበረ፡ ጀርመናውያን ነዚ ዝገብሩ ዝነበሩ ነብሶም ሓራ ንምውጻእ'ዩ ዝነበረ።
ምህዳም ካብ ዛንዚባር
ሱልጣን ማጂድ ርክብ ሓፍቱን ጀርመናዊ ነጋዳይን ብሕሜታ ምስ ሰምዐ፡ ሓፍቱ ተታሒዛ ንኽትቅተል ውሳነ ኣሕለፈ። ሱልጣን ማጂድ ነዚ ተግባር ከይፍጽም ብሰበይቲ ኣቡኡ ከም ዝተማዕደ እቲ ዝተብሃለ ሓቂ እንተኾይኑ ከጻረ ንግዚኡ ገደፎ።
እንተኾነ፡ ካብ ፍቕራዊ ርክብ ሓሊፉ ምጥናስ ሓፍቱ'ውን ስለዝሰዓበ፡ ሱልጣን ማጂድ ንሓፈቱ ናብ ሱዑድያ ክትጠፍእ ኣዘዛ።
"ሳይዳ ሳልመ ብልሂ ዝኾነት ጓል'ያ ነይራ፡ ከምዚ ናታ ተመመሳሳሊ ዛንታ ዝነበራ ጓል ኣብ ውቅያኖስ ከም ዝተደርበየት ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ መንገዳ ቀይራ ናብ ከተማ ዓደን[የመን] ሃዲማ ቦኽሪ ውላዳ ተገላገለት፡ እንተኾነ ውላዳ ብዙሕ ከይጸንሐ ሞተ" ይብል ሰይድ ኢል ገይቲ ።
ድሕሪ ኣዋርሕ ምስቲ ጀርመናዊ ኣፍቃሪኣ ተራኺባ፡ ብወግዒ ተመርዕዮም ብሓደ ናብ ጀርመን ከይዶም ሰለስተ ቆልዑ ወለዱ።
ሳይዳ ሳልመ፡ ናብ ጀርመን ድሕሪ ምእታዋ ስማ ናብ ኢሚሊ ሮት ቀይራ ክትነበር ጀመረት።
እንተኾነ ሳልሳይ ውላድ ድሕሪ ምውላዶም ብዓል ቤታ ብሓደጋ ባቡር ብምማቱ ሳይዳ ሳልመ "ኣብ ዘይእበድ ሓዘን ኣትያ" ይብል ሰይድ ኢል ገይቲ።
ምስ ሰለስተ ደቃ ከኣ ቅዙን ሂወት ከተሕልፍ ጀመረት።
ሳይዳ ሳልመ ኣብ 1924 ድሕሪ ሙማታ፡ በቲ ካብ ዝባና ፈልያቶ ዘይትፈልጥ ካብ ዛንዚባር ሒዛቶ ዝመጸት ቦርሳ ሙሉእ ሑጻ ብመሰረት ለበዋኣ ብኡኡ ተቐበረት።
ሓረግ ኣሜሪካ
ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ስራሕ ፖሊስ ጥሮታ ወጺኡ ምስ ሰብይቱን ደቁን ኣብ ፈሎሪዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነብር ዘሎ፡ ራብዓይ ወለዶ ወዳ ዝኾነ ሚካኤል ባውረ ርዮት፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት"ናብቲ ልዕልቲ ሳይዳ ሳልመ ናይ መወዳእታ ኣብ ዛንዚባር ተራእያትሉ ዝተብሃለ ቦታ ከይደ፡ ሓደ ጥርሙዝ ምሉእ ሑጻ ሒዘ ክኣ ተመሊሰ" ይብል
"ብዛዕባ ስድራና ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን፡ ዓባየይ ብዛዕባ ዛንታ ስድራና ክትዛረብ ኣይትፈቱን እያ፡ ድሕሪ ምማታ ግን ናብ ዛንዚባር ከይደ፡ ካብ ሰነድ ቤተ መዘክር ንግስነት ዛንዚባር ስእሊን ካልእን ክረክብ ክኢለ፡ እዚ ከኣ ብፍጹም ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ"ይብል።
ዓባዩ ንሚካኤል ባውረ ርዮት ዝኾነት ኦልጋ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓበየት ኮይና፡ ምስ ሓደ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኣብ ፍቕሪ ስለ ዝጠሓለት እያ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ንኣደ ሚካኤል ባውረ ርዮት ዝኾነት ኣን ክትወልድ ክኢላ።
"ድሕሪ ብዙሕ እየ ብዛዕባ ኣብ ዛንዚባር ዘለዉ ኣዝማድና ክፈልጥ ክኢለ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ'ውን ምስ ናይ መወዳእታ ሱልጣን ዝነበረ ጃምሽድ ካሊፋ ክንራኸብ ክኢልና፡ እዚ ሓዲሽ ሂወት እዩ ንዓይ" ይብል ሚካኤል ባውረ ርዮት።
ኪኖ እቲ ዘሕዝን ሂወት ሳይዳ ሳልመ ንሚካኤል ባውረ ርዮት ሓደ እወታዊ ዝኾነ ነገር እዩ ዝርኣዮ።
ሚካኤል ባውረ ርዮት "ሂወት ሳይዳ ሳለመ ቀሊል እኳ እንተዘይነበረ፡ በቲ ዝነበራ ሓያል ርእሰ ምትእምማንን ባህርን፡ ከምኡ እውን ንዝወሰነቶ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ክትዝከር ዝግብኣ'ዩ" ይብል።